ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣዋጅ እቲ መልኣኽ

ውድቀት ባቢሎን ተኣወጀ፥ ሓደ ድምፂ ኸዓ መቕሰፍታ ከይበፅሐ ንህዝቢ ኣቦና ካብኣ ክወፅኡ ይፅውዕ። ነገስታትን ነጋዶን መርከበኛታትን ርሒቖም ደው ኢሎም ይሓዝኑ — ምእንታ ዘይኮነ፥ ምእንቲ እቲ ዝሰኣንዎ ንግዲ። ሙዚቃን ብርሃን መብራህትን ድምፂ መርዓን ድማ ኣብኣ ንሓዋሩ የቋርፅ።

ምዕራፍ 18።

ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ ዓብዪ ስልጣን ሒዙ ካብ ሰማይ ክወርድ ረአኹ፤ ምድሪ ድማ ብኽብሩ በርሀት። ዓው ኢሉ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ ጨደረ፦ “ወደቐት፥ ወደቐት—እታ ዓባይ ባቢሎን! መንበሪ ኣጋንንቲ፥ መዕቘቢ ዅሉ ርኹስ መንፈስ፥ መዕቘቢ ዅሉ ርኹስ ዑፍ፥ መዕቘቢ ዅሉ ርኹስን ፅሉእን እንስሳ ኾይና እያ። ኵሎም ህዝብታት ካብ ወይኒ ፍትወት ዝሙታ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ ምስኣ ዘመዉ፥ ነጋዶ ምድሪ ድማ ካብ ሓይሊ ምቾታ ሃብተሙ።”

ሽዑ ካልእ ድምፂ ካብ ሰማይ ሰማዕኹ፦ “ህዝበይ፥ ኣብ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትሳተፉ፥ መቕሰፍታ ድማ ምእንቲ ኸይትቕበሉ፥ ካብኣ ውፁ፤

ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተኾሚሩ እዩ እሞ፥ ኣቦና ድማ ገበናታ ዘከረ። ከምቲ ንሳ ዝኸፈለት ክፈልዋ፥ ከከም ግብራ ድማ ዕፅፊ ፍድይዋ፤ ኣብቲ ዝሓወሰትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ሕወሱላ። ከምቲ ንባዕላ ዘኽበረትን ብምቾት ዝነበረትን፥ ክንድኡ መጠን ስቓይን ሓዘንን ሃብዋ፤ ኣብ ልባ፦ ‘ከም ንግስቲ ተቐሚጠ ኣለኹ፤ መበለት ኣይኮንኩን፥ ከቶ ድማ ሓዘን ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ። ስለዙይ መቕሰፍታ ብሓንቲ መዓልቲ ክመፅእ እዩ—ሞትን ሓዘንን ጥሜትን—ንሳ ድማ ብሓዊ ክትነድድ እያ፤ እቲ ዝፈረዳ ኣቦና ሓያል እዩ እሞ።”

እቶም ምስኣ ዝዘመዉን ብምቾት ዝተሓወስዋን ነገስታት ምድሪ፥ ትኪ ምንዳዳ እናረአዩ፥ ክበኽዩላን ከልቕሱላን እዮም። ስቓያ ፈሪሖም ርሒቖም ደው ኢሎም ከምዙይ ይብሉ፦ “ወይለኺ፥ ወይለኺ፥ ዓባይ ከተማ፥ ባቢሎን፥ ሓያል ከተማ! ብሓንቲ ሰዓት ፍርድኺ መፀ።” ነጋዶ ምድሪ ድማ፥ ደጊም ንሽቀጦም ዝዕድግ የለን እሞ፥ ይበኽዩላን ይሓዝኑላን ኣለዉ። ሽቀጥ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ፅቡቕ ሃርን ሓምራውን ሜዛን ውፁእ ቀይሕን፤ ኵሉ ዝጨንዩ ዕንፀይትን ኵሉ ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝን ክቡር ዕንፀይትን ነሃስን ሓፂንን እምኒ ዕምርን። ቓርፋን ቀመምን ሽቱን ከርበን ዕጣንን ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ልሑም ሕሩጭን ስርናይን ኣላሕምን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣካላት ሰብን ነፍሳትን።

“እቲ ነፍስኺ ዝሃረፈቶ ዝበሰለ ፍረ ኻባኺ ኸደ፤ ኵሉ ሃብትን ግርማን ጠፊኡ፥ ከቶ ድማ ኣይርከብን እዩ።” እቶም ካብኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ እዚ ነገር እዚ፥ ስቓያ ፈሪሖም፥ እናበኸዩ እናሓዘኑን ርሒቖም ደው ክብሉ እዮም፥ ከምዙይ ኢሎም ድማ ይጭድሩ፦ “ሓዘን፥ ሓዘን ኣብ ልዕሊ እታ ፅቡቕ ሃርን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕን ዝተኸደነት፥ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ዝተሸለመት ዓባይ ከተማ! በዚ ኽንደይ ዝኣክል ሃብቲ ብሓንቲ ሰዓት ጠፍአ።” ኵሉ ሓለቓ መርከብ፥ ኣብ ባሕሪ ዝንቀሳቐስ ዅሉ፥ መርከበኛታትን ካብ ባሕሪ ዝናበሩ ዅሎምን ርሒቖም ደው በሉ፥ ትኪ ምንዳዳ እናረአዩ ኸዓ፥ “ከምዛ ዓባይ ከተማ ዝበለት ከተማ መኣዝ ነይራ?” ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ፥ እናበኸዩ እናሓዘኑን ድማ ከምዙይ ኢሎም ጨደሩ፦ “ወይለኺ፥ ወይለኺ ዓባይ ከተማ፥ ኵሎም እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዎም ካብ ሃብታ ዝሃብተሙ! ብሓንቲ ሰዓት ጠፍአት።” ኦ ሰማይ፥ ብእኣ ተሓጎስ፥ ኣቱም ቅዱሳንን ሃዋርያትን ነቢያትን! ኣቦና ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘቕረብኩሞ ነገር ፈሪዱልኩም እዩ እሞ።

ሓደ ሓያል መልኣኽ ድማ ከም ዓብዪ መጥሓን ዝኾነ እምኒ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፥ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ብሓይሊ ክትድርበ እያ፥ ከቶ ድማ ኣይክትርከብን እያ። ድምፂ ወቓዕቲ በገናን ደረፍትን፥ ወቓዕቲ እምብልታን ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይክስማዕን እዩ። ዝኾነ በዓል ሞያ ዝኾነ ሞያ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ። ድምፂ መጥሓን ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይክስማዕን እዩ። ብርሃን መብራህቲ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይክበርህን እዩ። ድምፂ መርዓውን መርዓትን ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይክስማዕን እዩ። ነጋዶኺ ዓበይቲ ምድሪ ነይሮም እዮም እሞ፥ ኵሎም ህዝብታት ድማ ብጥንቈላኺ ተታለሉ። ኣብኣ ድማ ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓረዱን ተረኽበ።”