ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ዓባይ ኣመንዝራ ተገሃደት

ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ፥ ሓምራዊ ተኸዲና፥ በቲ ደም መሰኻኽር ኢየሱስ ዝሰኸረት፥ ኣብ ቀይሕ ኣራዊት ዝተፀዓነት ሰበይቲ ኣርኣዮ። ዮሃንስ ተገረመ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ ነቶም ርእስን ኣቕርንትን ገለፀሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣራዊትን ነገስታቱን ናባኣ ግልጥ ኢሎም ብሓዊ የቃፅልዋ፥ ፍቓድ ኣቦና ድማ ይፍፅሙ።

ምዕራፍ 17።

ካብቶም ሸውዓተ ፃሕሊ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ሓደ መፂኡ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “ነዓ፥ ነታ ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጥ ዓባይ ኣመንዝራ ዝበፅሓ ፍርዲ ከርእየካ እየ። ነገስታት ምድሪ ምስኣ ዘመዉ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ከዓ በቲ ወይኒ ሓጢኣታ ሰኸሩ።” ብመንፈስ ድማ ናብ ምድረ በዳ ወሰደኒ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ብዘፅርፍ ኣስማት ዝተሸፈነ፥ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ኣቕርንትን ዘለዎ ቀይሕ ኣራዊት ተቐሚጣ ዘላ ሰበይቲ ረአኹ። እታ ሰበይቲ ሓምራውን ቀይሕን ተኸዲና፥ ብወርቅን ብኽቡራት ኣእማንን ብኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፤ ኣብ ኢዳ ድማ ፀያፍ ነገራት፥ ርኽሰት ዝሙታን ዝመልኦ ናይ ወርቂ ፅዋዕ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ድማ ምስጢር ዝኾነ ስም ተፀሒፉ ነበረ፦ “ዓባይ ባቢሎን፥ እኖ ኣመንዝራታትን እኖ ፀያፍ ነገራት ምድርን።”

ነታ ሰበይቲ ከዓ በቲ ደም ቅዱሳንን በቲ ደም መሰኻኽር ኢየሱስን ሰኺራ ረአኹ። ንእኣ ምስ ረአኹ ድማ የመና ተገረምኩ።

እቲ መልኣኽ ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ኣነ ምስጢር እታ ሰበይትን ናይቲ ዝፅዕናን፥ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ኣቕርንትን ዘለዎ ኣራዊትን ክነግረካ እየ። እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ነይሩ፥ ሕዚ ግና የሎን፥ ካብ መዓሙቕ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣቱ ኸዓ ክኸይድ እዩ። እቶም ስሞም ካብ መሰረት ዓለም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ድማ ነቲ ኣራዊት ምስ ረአይዎ ክግረሙ እዮም፤ ንሱ ነይሩ፥ ሕዚ ግና የሎን፥ ክመፅእ ከዓ እዩ እሞ።

ኣብዙይ ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ የድሊ፦ እቶም ሸውዓተ ርእሲ፥ እታ ሰበይቲ ዝተቐመጠትሎም ሸውዓተ እምባታት እዮም፤ ንሳቶም ድማ ሸውዓተ ነገስታት እዮም። ሓሙሽተ ወዲቖም፥ ሓደ ኣሎ፥ እቲ ካልእ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ ንቑሩብ ጊዜ ክፀንሕ ኣለዎ። እቲ ነይሩ ሕዚ ግና ዘየሎ ኣራዊት፥ ባዕሉ ሻምናይ እዩ፥ ካብቶም ሸውዓተ ግና ሓደ እዩ፤ ናብ ጥፍኣት ድማ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንቲ፥ ገና መንግስቲ ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ግና ምስቲ ኣራዊት ንሓንቲ ሰዓት ከም ነገስታት ኮይኖም ስልጣን ይቕበሉ። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፥ ሓይሎም ስልጣኖምን ከዓ ነቲ ኣራዊት የረክቡ።

ምስቲ ገንሸል ክዋግኡ እዮም፥ እቲ ገንሸል ከዓ ክስዕሮም እዩ፤ ንሱ ጐይታ ጐይቶት፥ ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፤ እቶም ምስኡ ዘለዉ ድማ ፅዉዓትን ዝተሓርዩን እሙናት ዝኾኑን እዮም።” እቲ መልኣኽ ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “እቲ ዝረአኻዮ ማያት፥ እታ ኣመንዝራ ዝተቐመጠትሉ፥ ህዝብታትን ብዙሓት ሰባትን ኣህዛብን ቋንቋታትን እዩ። እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንትን እቲ ኣራዊትን ነታ ኣመንዝራ ክፅልእዋ እዮም። ባዲማን ጥራሓ ክገድፍዋ፥ ስጋኣ ኽበልዑ፥ ብሓዊ ኸዓ ከንድድዋ እዮም። ኣቦና ፍቓዱ ኽፍፅሙ፥ ሓደ ሓሳብ ክኾኑ፥ መንግስቶም ከዓ ነቲ ኣራዊት ክህቡ ኣብ ልቦም ኣንቢርዎ እዩ እሞ፤ እዙይ ክሳዕ ቃላት ኣቦና ዝፍፀም እዩ። a a v17 ነቲ ኣራዊት ዘገልግሉ ዓለወኛታት ነገስታት እኳ፥ ፍቓድ ኣቦና ይፍፅሙ። ንሱ ንታሪኽ ናብ ዓወት እቲ ገንሸል የምርሖ። እታ ዝረአኻያ ሰበይቲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትነግስ ዓባይ ከተማ እያ።”