ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ነፍሰይ ትፅበ

ንመሪሕ ዜማ፤ ንየዱቱን፤ መዝሙር ዳዊት።

ዳዊት ካልኦት ከም ዝዛነፈ መንደቕ ኣብ ልዕሊኡ እናፍረስዎ፥ ብኣፎም እናባረኽዎ ብውሽጦም ድማ እናረገሙ፥ ንኣቦኡ በይኑ ብፀጥታ ይፅበ። ንትሑታትን ንሓያላትን መዚኑ ኻብ ትንፋስ ዝቐለሉ ይረኽቦም፥ ሽዑ ኵሉ ሰብ ድማ ልቡ ኣብ ቅድሚኡ ኽያፍስስ ይነግር።

ምዕራፍ 62።

ነፍሰይ ንኣቦይ በይኑ ብፀጥታ ትፅበ፤ ምድሓነይ ካብኡ እዩ ዝመፅእ። ንሱ በይኑ ኸውሐይን ምድሓነይን፥ እምባይ እዩ፤ ብብርቱዕ ኣይናወፅን እየ። ክሳዕ መዓዝ ኢኹም ዅልኻትኩም ንሓደ ሰብ እትዋግኡ፥ ከም ዝዛነፈ መንደቕ፥ ከም ዝናወፅ ሓፁር ገይርኩም እተፍርስዎ? ካብ ልዑል ሽመቱ ኼውድቕዎ ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ፤ ብሓሶት ይሕጐሱ። ብኣፎም ይምርቑ፥ ብውሽጦም ግና ይረግሙ።

ንኣቦይ በይኑ፥ ኦ ነፍሰይ፥ ብፀጥታ ተፅበዪ፤ ተስፋይ ካብኡ እዩ እሞ። ንሱ በይኑ ኸውሐይን ምድሓነይን፥ እምባይ እዩ፤ ኣይናወፅን እየ። ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣቦይ እዩ ዝምርኰስ፤ ብርቱዕ ከውሐይን መሕብኢየይን ኣብ ኣቦይ እዩ። ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልሻዕ ብእኡ እመኑ፤ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ ኣቦና ንዓና መዕቘቢ እዩ።

ብሓቂ ትሑታት ትንፋስ ጥራሕ እዮም፥ ሓያላትውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይድይቡ፤ ብሓባር ካብ ትንፋስ ይቐልሉ። ብግፍዒ ኣይትእመኑ፤ ብምዝራፍ ከንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፤ ሃብቲ እንተ በዝሐ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣይተንብሩ። ኣቦና ሓደ ሻዕ ተዛሪቡ፤ ኽልተ ሻዕ እዙይ ሰማዕኹ፤ ሓይሊ ናይ ኣቦና ምዃኑ፥ a a v11 “ሓደ ሻዕ… ክልተ ሻዕ” ዝብል፥ እዙይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልክት ናይ እብራውያን ግጥማዊ ኣገባብ እዩ። ናትካ ኸዓ፥ ኦ ጐይታይ፥ ምሕረት እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻ እሞ።