ንዓኻ ምፅማእ
መዝሙር ዳዊት፥ ኣብ በረኻ ይሁዳ እንተሎ።
ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ ዝተፅሓፈ፥ ፅምኢ ብሓቂ ዘለዎ። ዳዊት ናብ ካልእ የሰጋግሮ፦ ምሉእ ስጋኡ ከምቲ ንቑፅ ምድሪ ማይ ዝደሊ ነቦኡ ይናፍቕ፥ ምሕረት ከዓ ካብ ህይወት ባዕላ ኸም እትበልፅ ይብል፥ ብለይቲ ኸዓ ይዝክሮ።
63 1ኦ ኣቦይ፥ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፤ ብምሉእ ልበይ እደልየካ። ነፍሰይ ንዓኻ ፀምአት፤ ምሉእ ስጋይ ከዓ ማይ ኣብ ዘይብሉ ንቑፅን ድኹምን ምድሪ ንዓኻ ናፈቐ። 2ስለዙይ ኣብ መቕደስ ጠሚተካ፥ ሓይልኻን ክብርኻን ረአኹ። 3ምሕረትካ ካብ ህይወት ስለ ዝበልፅ፥ ከናፍረይ ከመስግናኻ እየን። 4ስለዙይ ክሳዕ ዝነብር ክባርኸካ እየ፤ ብስምካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ። 5ነፍሰይ ከም ብረጒድ ምግቢ ትፀግብ፥ ኣፈይ ከዓ ብሕጉስ ከናፍር የመስግነካ።
6ኣብ መደቀሲየይ እንትዝክረካ፥ ብምሉእ ለይቲ ኣስተንትነካ ኣለኹ። 7ንስኻ ረዳእየይ ኴንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ፅላሎት ኣኽናፍካ ድማ ብሓጐስ እዝምር። 8ነፍሰይ ናባኻ ተፀግዐት፤ የማነይቲ ኢድካ ድማ ትሕዘኒ።
9እቶም ንነፍሰይ ከጥፍኣ ዝደልዩ ግና፥ ናብ ዓሚቝ ምድሪ ክወርዱ እዮም። 10ናብ ሰይፊ ኣሕሊፎም ክወሃቡ እዮም፤ ንወኻሩ ድማ ምግቢ ክኾኑ እዮም። 11እቲ ንጉስ ግና ብኣቦና ክሕጐስ እዩ፤ ኵሎም ብኣቦና ዝምሕሉ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ኣፍ ሓሰውቲ ክዕፀው እዩ እሞ።