ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንመባረኺ ዝኸውን መዝሙር

መዝሙር። ንመባረኺ እታ ቤት ዝኸውን መዝሙር። ናይ ዳዊት።

ድሕሪ ምሕዋይ፥ ንበዓል ምምራቕ ዝተፅሓፈ። ዳዊት ነገራት ፅቡቕ ኣብ ዝነበረሉ ኸቶ ኣይናወፅን እየ ኢሉ ኸም ዝሓሰበ፥ ሽዑ ድማ ገፅ ኣቦኡ ኸም እተሓብአ ይእመን። ሓመድ ከመስግን ከም ዘይኽእል ይካታዕ፥ ብክዳን ሓዘን ብሓጐስ ተለዊጡ ይውድእ።

ምዕራፍ 30።

ኦ ኣቦይ! ንዓይ ኣልዒልካ ኢኻ እሞ፥ ንፀላእተይ ኣባይ ከይሕጐሱ ድማ ስለ ዘይገደፍካዮም፥ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ።

ኦ ኣቦይ! ንሓገዝ ናባኻ ኣእዌኹ፥ ንስኻ ድማ ኣሕወኻኒ። ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣደየብካያ፤ ናብ ጕድጓድ ከይወርድ ብህይወት ኣፀናሕካኒ።

ኣቱም ቅዱሳኑ፥ ንኣቦና ዘምሩሉ፤ ንቅዱስ ስሙ ድማ ኣመስግንዎ። ቍጥዓኡ ንቕፅበት ዓይኒ ጥራሕ እዩ እሞ፥ ናቱ ሞገስ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ብኽያት ለይቲ የሕድር ይኸውን፥ ሓጐስ ግና ብጊሓት ይመፅእ።

ብራህዋ ከለኹ ድማ፥ “ከቶ ኣይናወፅን እየ” በልኩ። ኦ ኣቦይ! ብሞገስካ ነምባይ ኣፅናዕካዮ፤ ገፅካ ምስ ሓባእካ ግና፥ ተሸበርኩ።

ኦ ኣቦይ! ናባኻ ፀዋዕኹ፤ ናብ ጐይታ ድማ ምሕረት ለመንኩ፦ “ስቕ እንተ በልኩ፥ ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩ፥ እንታይ ይርከብ? እቲ ሓመድ የመስግነካዶ? ንሓቅኻዶ ይነግር? ኦ ኣቦይ! ስምዐኒ፥ መሓረኒ ድማ፤ ኦ ኣቦይ! ሓጋዚየይ ኩን።”

ንሓዘነይ ናብ ስዕስዒት ለወጥካዮ፤ ክዳን ሓዘነይ ቀንጢጥካ ብሓጐስ ኣልበስካኒ፥ ልበይ ምስጋናኻ ዘሚሩ ስቕ ምእንቲ ኸይብል፥ ኦ ኣቦይ! ንዘለኣለም አመስግነካ እየ።