ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንእስራኤል ርስቱ ይህቦ

እታ ምድሪ ኸምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ብዕፃ ተማቐለት፥ ካሌብ ግና ቀሪቡ ፍሉይ ግደ ሓተተ። ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ፥ ነቲ ዔናቃውያን ዝነብሩሉ ደጕዓ፥ ቅድሚ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኣብ ዝተኣትወ ተስፋ ተመርኲሱ፥ ደለዮ። ኢያሱ ኸዓ ኬብሮን ሃቦ።

ምዕራፍ 14።

እዚኣተን እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝተቐበልወን ርስትታት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም እየን። ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ እዛ ርስቲ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ብዕፃ ተማቐለት። ሙሴ ነዞም ክልተ ነገድን ፈረቓ ነገድን ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ርስቶም ሃቦም ነበረ፤ ኣብ መንጎኦም ግና ንሌዋውያን ርስቲ ኣይሃቦምን። ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ነበሩ። ሌዋውያን ድማ ዝነብሩለን ከተማታትን ንማሎምን ጥሪቶምን ዝኸውን መዋፈርን እምበር፥ ካብታ ምድሪ ግደ ኣይተውሃቦምን። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ ኸዓ ተማቐልዋ።

ካሌብ ተስፋ ኣቦ ይቕበል

ደቂ ይሁዳ ናብ ኢያሱ ናብ ጌልገላ መፁ፤ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ እቲ ቄኔዛዊ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ንሙሴ ሰብ ኣቦና ዝበሎ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ባርያ ኣቦና ሙሴ ነታ ምድሪ ኽስልያ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኸኒ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ኸዓ ወረ መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ዝደየቡ ብፆተይ ሰለልቲ ግና ንልቢ እቶም ህዝቢ ብፍርሂ ከም ዝመክኽ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንኣቦይ ፍፁም ተኸተልክዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ሙሴ ከምዙይ ኢሉ መሓለለይ፦ ‘ንኣቦይ ፍፁም ስለ ዝተኸተልካ፥ እታ እግርኻ ዝረገፀታ ምድሪ ብርግፅ ንዘለኣለም ርስትኻን ርስቲ ደቅኻን ክትከውን እያ።’

ሕዚ ኸዓ፥ ከምቲ ዘተስፈወኒ፥ እስራኤል ኣብ በረኻ ክዞር እንተሎ ኣቦና ነዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ካብ ዝዛረበሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣፅኒሑኒ። እንሆ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት እየ። ሎሚ ኸምታ ሙሴ ዝሰደደኒ መዓልቲ ሓያል እየ፤ ሕዚ ዘሎ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ሓይለይ እዩ፤ ንውግእ፥ ንምውፃእን ንምእታውን። እምበኣር ነዝ ኣቦና በታ መዓልቲ እቲኣ ዝተዛረበሉ ደጕዓ ሃበኒ። በቲ ጊዜ እቲ ዔናቃውያን ኣብኡ ኸም ዝነበሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ከም ዝነበራ ሰሚዕኻ ኢኻ። ምናልባሽ ኣቦና ምሳይ ኮይኑ፥ ከምቲ ዝበሎ ኸውፅኦም እየ።”

ሽዑ ኢያሱ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ባረኾ፤ ንኬብሮን ድማ ርስቱ ክትከውን ሃቦ። ስለዙይ ንኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ፍፁም ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቲ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ እቲ ቄኔዛዊ ኾይና ኣላ። ኬብሮን ቀደም ቂርያትኣርባቅ ትብሃል ነበረት፤ ኣርባቅ ካብ ዔናቃውያን ዝዓበየ ሰብኣይ ነበረ እሞ። ሽዑ እታ ምድሪ ኻብ ውግእ ዕረፍቲ ረኸበት።