ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንይሁዳ ርስቲ ይህቦ

ወሰናት ይሁዳ ብዝርዝር ተሳእለ፥ ከተማታቱ ኸዓ ከከም ዞባኡ ተዘርዘረ፥ ክሳዕ ከተማ ጨውን ዓይንጋድን። ካሌብ ሰለስተ ዔናቃውያን ኣባረረ፥ ነቲ ንዳቤር ዝሕዝ ድማ ጓሉ ኸም ዝህብ ተመባፅዐ፤ ንሳ ኸዓ ንኣቦኣ ዓይኒ ማይ ሓተተቶ። ኢያቡሳውያን ኢየሩሳሌም ግና ኣብ ቦታኦም ፀንሑ።

ምዕራፍ 15።

እቲ ዕፃ ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ ከከም ዓሌቶም ክሳዕ ወሰን ኤዶም፥ ናብ ምድረ በዳ ፂን፥ ናብ ደቡብ ክሳዕ እቲ ደቡባዊ ጫፍ በፅሐ። ደቡባዊ ወሰኖም ድማ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው፥ ካብታ ንደቡብ እትጥምት ልሳን ጀመረ። ናብ ደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ወፂኡ ናብ ፂን ይሓልፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ደዪቡ ንሔስሮን ሓሊፉ ናብ ኣዳር ይድይብ፥ ናብ ካርቃ ድማ ይዘውር። ናብ ዓፅሞን ሓሊፉ ናብ ሩባ ግብፂ ይውፃእ፤ መፈፀምታ እቲ ወሰን ድማ ኣብ ባሕሪ እዩ። ደቡባዊ ወሰንኩም እዙይ ይኹን። ምብራቓዊ ወሰን ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ ኣፍ ዮርዳኖስ እዩ። ሰሜናይ ወሰን ከዓ ካብታ ኣብ ኣፍ ዮርዳኖስ ዘላ ልሳን ባሕሪ እዩ። እቲ ወሰን ድማ ናብ ቤትሖግላ ይድይብ፥ ብሰሜን ቤትዓረባ ይሓልፍ፤ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ከዓ ይድይብ። እቲ ወሰን ድማ ካብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፥ ብሰሜን ናብ ጊልጋል ይዘውር፤ ንሳ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ብደቡብ እቲ ለሰ እያ፤ ካብኡ ናብ ማይ ዔንሳሚስ ይሓልፍ፥ ናብ ዔንሮጌል ከዓ የብቅዕ። ድሕሪኡ እቲ ወሰን ብለሰ ወዲ ሂኖም ናብ ደቡባዊ ፀግዒ ከተማ ኢያቡሳውያን፥ ንሳ ኢየሩሳሌም፥ ይድይብ፤ ካብኡ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ምዕራብ ለሰ ሂኖም ዘሎ እምባ፥ ኣብ ሰሜናይ ጫፍ ለሰ ራፋይም ይድይብ። ካብ ርእሲ እቲ እምባ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ይዘውር፥ ናብ ከተማታት እምባ ኤፍሮን ይወፅእ፥ ናብ በዓላ፥ ንሳ ቂርያት የዓሪም፥ ከዓ ይዘውር። እቲ ወሰን ድማ ካብ በዓላ ንምዕራብ ናብ እምባ ሴይር ይዘውር፥ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ ይዓሪም፥ ንሳ ኬሳሎን፥ ይሓልፍ፥ ናብ ቤትሳሜስ ይወርድ፥ ናብ ቲምና ከዓ ይሓልፍ። እቲ ወሰን ድማ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ ኣቃሮን ይወፅእ፥ ናብ ሺክሮን ይዘውር፥ ንእምባ በዓላ ሓሊፉ ናብ ያብነኤል ይወፅእ፥ ኣብ ባሕሪ ድማ የብቅዕ። ምዕራባዊ ወሰን ድማ እቲ ዓብዪ ባሕርን ገምገሙን እዩ። እዙይ ወሰን ደቂ ይሁዳ ብዙርያ ከከም ዓሌቶም እዩ።

ንካሌብ ወዲ ዮፉኔ ድማ፥ ከምቲ ኣቦና ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ግዲ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ፥ ወይ ኬብሮን፥ እዩ፤ ኣርባቅ ድማ ኣቦ ዔናቅ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ካሌብ ነቶም ሰለስተ ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲ፥ ንኣኪመንን፥ ንተላማይ፥ ደቂ ዔናቅ፥ ኣልቀቖም። ካብኡ ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ፤ ስም ዳቤር ድማ ቀደም ቂርያትሴፍር ነበረ። ካሌብ ከዓ ከምዙይ በለ፦ “ነቲ ንቂርያትሴፍር ተዋጊኡ ዝማረኻ፥ ንጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ክትኮኖ ክህቦ እየ።” ጎቶንያል ወዲ ቄኔዝ፥ ሓው ካሌብ፥ ማረኻ፤ ስለዙይ ካሌብ ንዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ክትኮኖ ሃቦ። ንሳ ናብኡ ምስ መፀት፥ ግራት ካብ ኣቦኣ ክትሓትት መኸረቶ። ካብ ኣድጊኣ ወሪዳ ኸዓ፥ ካሌብ “እንታይ ትደልዪ?” በላ።

ንሳ ድማ “በረኸት ሃበኒ፤ ናብ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒ ማይ ድማ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ ነተን ላዕለዎትን ታሕተዎትን ዓይኒ ማይ ሃባ።

ርስቲ ነገድ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ። እተን ናብ ወሰን ኤዶም ብደቡብ ዝረሓቓ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ቀብፅኤል፥ ዔደር፥ ያጕር፥ ቂና፥ ዲሞና፥ ዓዳዓ፥ ቃዴስ፥ ሓፆር፥ ይትናን፥ ዚፍ፥ ቴሌም፥ በዓሎትን፥ ሓፆርሓዳታ፥ ቅርዮትሔስሮን፥ ንሳ ሓፆር፥ ኣማምን፥ ሸማዕ፥ ሞላዳን፥ ሓፃርጋዳ፥ ሔሽሞንን፥ ቤትጴሌት፥ ሓፃርሹዓል፥ ቤርሳቤህ፥ ቢዝዮትያ፥ በዓላ፥ ዒም፥ ዔፄም፥ ኤልቶላድ፥ ከሲል፥ ሔርማ፥ ፂቅላግ፥ ማድማና፥ ሳንሳና፥ ለባኦት፥ ሺልሒም፥ ዓይን፥ ሪሞን፥ ብምሉአን ዕስራን ትሽዓተን ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ኣብ ቈላ ድማ፦ ኤሽታኦልን፥ ፆርዓ፥ ኣሽናን፥ ዛኖኣ፥ ዔንጋኒም፥ ታጱዋ፥ ዔናም፥ ያርሙት፥ ዓዱላም፥ ሰኮት፥ ዓዜቃ፥ ሸዓራይም፥ ዓዲታይም፥ ገደራ፥ ገደሮታይም፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ፄናን፥ ሓዳሻ፥ ሚግዳልጋድ፥ ዲልዓንን፥ ምፅጳ፥ ዮቅትኤል፥ ላኪሶ፥ ቦስቃት፥ ዔግሎን፥ ካቦን፥ ላሕማስ፥ ኪትሊሽ፥ ገዴሮትን ቤትዳጎንን ናዓማን መቄዳን፥ ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ልብናን ዔተርን ዓሻንን፥ ይፍታሕን ኣሽናን ኔዚብን፥ ቅዒላን ኣክዚብን ማሬሻን፥ ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ኣቃሮን ምስ ከተማታታን ቑሸታታን፤ ካብ ኣቃሮን ክሳዕ ባሕሪ፥ እቲ ኣብ ጥቓ ኣዛጦን ዝነበረ ዅሉ ምስ ቑሸታት፤ ኣዛጦን ምስ ከተማታታን ቑሸታታን፤ ጋዛ ምስ ከተማታታን ቑሸታታን፥ ክሳዕ ሩባ ግብፂን እቲ ዓብዪ ባሕርን ምስ ገምገም።

ኣብ ደጕዓ ድማ፦ ሳምር፥ የቲር፥ ሶኮ፥ ዳና፥ ቂርያትሳና ማለት ዳቤር፥ ዓናብ፥ ኤሽትሞዓ፥ ዓኒም፥ ጎሸንን ሖሎን ጊሎ፥ ኵለን ዓሰርተ ሓደ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ዓራብ፥ ዱማ፥ ኤሻን፥ ያኒም፥ ቤትታጱዋ፥ ኣፌቃ፥ ሑምጣን፥ ቂርያትኣርባቅ ማለት ኬብሮንን፥ ፂዖርን፥ ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ማዖን፥ ቀርሜሎስ፥ ዚፍ፥ ዮጣህ፥ ይዝርኤል፥ ዮቅድዓም፥ ዛኖኣ፥ ቃይን ጊብዓን ቲምና፥ ኵለን ዓሰርተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ሓልሑል፥ ቤትፁር፥ ገዶር፥ ማዓራትን ቤትዓናትን ኤልተቆንን፥ ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ቂርያት በዓል ማለት ቂርያት የዓሪምን ራባትን፥ ኵለን ክልተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ኣብ ምድረ በዳ ድማ፦ ቤትዓራባ፥ ሚዲን፥ ሰካካ፥ ኒብሻን ከተማ ጨውን ዓይንጋዲ፥ ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።

ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ካብኣ ከልቅቕዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ እቶም ኢያቡሳውያን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጡ ኣለዉ።