ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ርስቲ ኣቦ ንኤፍሬም

ወሰን ኤፍሬም ካብ ኢያሪኮ ብደጕዓ ኣቢሉ ክሳዕ ባሕሪ ተኸደ፥ ኣብ ውሽጢ ግደ ምናሴ ኸዓ ተወሰኽቲ ኸተማታት ተውሃበ። እቲ ምዝገባ ብምእማን ይውዳእ፦ እቶም ኣብ ጌዘር ዝነበሩ ከነዓናውያን ከቶ ኣይተሰጎጉን፥ ንግዱድ ዕዮ ጥራሕ ተገዝኡ።

ምዕራፍ 16።

እቲ ዕፃ ደቂ ዮሴፍ ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ኢያሪኮ፥ ብምብራቕ ማያት ኢያሪኮ፥ ናብ ምድረ በዳ፥ ካብ ኢያሪኮ በቲ ደጕዓ ደዪቡ ናብ ቤቴል ኣቢሉ ኸደ። ካብ ቤቴል ድማ ናብ ሎዛ ወፂኡ፥ ናብ ወሰን ኣርካዊ ኣብ ዓጣሮት ይሓልፍ። ንምዕራብ ኣቢሉ ናብ ወሰን ያፍሌጣውያን፥ ናብ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮን፥ ናብ ጌዘር ይወርድ፤ መውፅኢኡ ኸዓ ኣብ ባሕሪ ኮነ።

ስለዙይ ደቂ ዮሴፍ፥ ማለት ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወረሱ። ወሰን ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዙይ ነበረ፦ ናይ ምብራቕ ወሰኖም ካብ ዓጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕለዋይ ቤትሖሮን ኮነ። እቲ ወሰን ናብ ባሕሪ ይወፅእ፤ ሚክመታት ድማ ብሰሜን ኮነት። እቲ ወሰን ከዓ ንምብራቕ ናብ ታዓናትሴሎ ይዘውር፤ ብምብራቓ ሓሊፉ ናብ ያኖሓ ይሓልፍ። ካብ ያኖሓ ድማ ናብ ዓጣሮትን ናዓራን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ ኸዓ ናብ ዮርዳኖስ ይውፅእ። ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ናብ ሩባ ቓና ይሓልፍ፤ መውፅኢኡ ኸዓ ኣብ ባሕሪ ኮነ። እዙይ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዩ። ደቂ ኤፍሬም ድማ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ ዝተፈለያ ኸተማታት ነበራኦም፤ ኵለን እተን ከተማታት ምስ ቍሸታተን። ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ግና ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ኤፍሬም ይነብሩ ኣለዉ፤ ተገዲዶም ድማ ይሰርሑ ኣለዉ።