ርስቲ ምናሴ
ዕፃ ምናሴ ነተን ሓሙሽተ ኣሓት ዘጠቓለለ እዩ፥ ንሳተን ኣቦኤን ዝወርስ ወዲ ስለ ዘይነበሮ፥ ብትእዛዝ ኣቦና ንሙሴ ርስቲ ሓቲተን ተቐበላ። ዘርኢ ዮሴፍ ድማ ግዶም ይንእሶም ከም ዘሎ ጠርዑ፤ ኢያሱ ኸዓ ነቲ ዱር ከፅርዩን ነቲ ሓፂን ሰረገላ ኸይፈርሁን ነገሮም።
17 1ዕፃ ነገድ ምናሴ፥ በዅሪ ዮሴፍ፥ እዙይ እዩ፦ ንማኪር በዅሪ ምናሴ፥ ኣቦ ገለዓድ፥ ሰብኣይ ውግእ ስለ ዝነበረ፥ ገለዓድን ባሳንን ተውሃቦ። 2እቶም ካልኦት ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ምድሪ ተቐበሉ፦ ኣቢዔዘር፥ ኬሌግ፥ ኣስሪኤል፥ ሰኬም፥ ኦፌር፥ ሸሚዳ፤ እዚኣቶም ደቂ ተባዕትዮ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከከም ዓሌቶም እዮም። 3ሰለጰኣድ፥ ካብ ምናሴ ብማኪርን ብገለዓድን ብኦፌርን ዝተወልደ ግና፥ ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ። 4ናብ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ሹመኛታትን ቀሪበን ከምዙይ በላ፦ “ኣቦና ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዙ ነበረ።” ስለዙይ ኢያሱ ከም ትእዛዝ ኣቦና ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ኣቦአን ርስቲ ሃበን። 5ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ንምናሴ ዓሰርተ ግደ ወደቖ፥ 6ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል ደቁ ርስቲ ተቐበላ ስለ ዝነበራ እዩ። ምድሪ ገለዓድ ድማ ናይቶም ካልኦት ደቂ ምናሴ ኮነት። 7ወሰን ምናሴ ከዓ ካብ ኣሴር ክሳዕ ሚክምታት፥ ኣብ ምብራቕ ሴኬም እትርከብ፥ በፅሐ፤ ካብኡ ድማ ንደቡብ ናብቶም ኣብ ዓይንታጱዋ ዝነብሩ ህዝቢ ኣቢሉ ሓለፈ። 8ምድሪ ታጱዋ ናይ ምናሴ ነበረት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ታጱዋ ግና ናይ ደቂ ኤፍሬም ኮነት። 9እቲ ወሰን ናብ ሩባ ቃና ወረደ። ብደቡብ እቲ ሩባ፥ እዘን ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴ ዝነበራ ከተማታት ናይ ኤፍሬም ነበራ፤ ወሰን ምናሴ ግና ብሰሜን እቲ ሩባ ኾይኑ ናብ ባሕሪ በፅሐ። 10ምድሪ ኤፍሬም ብደቡብ፥ ምድሪ ምናሴ ድማ ብሰሜን ነበረት፤ ባሕሪ ኸዓ ወሰኑ ነበረ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ናብ ይሳኮር በፅሑ። 11ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን ከዓ ምናሴ ንቤትሳንን ቍሸታታን፥ ንይብልዓምን ቍሸታታን፥ ነቶም ኣብ ዶርን ቍሸታታን ዝነብሩ፥ ነቶም ኣብ ዓይንዶርን ቍሸታታን ዝነብሩ፥ ነቶም ኣብ ታዕናክን ቍሸታታን ዝነብሩ፥ ነቶም ኣብ መጊዶን ቍሸታታን ዝነብሩ፥ ማለት እተን ሰለስተ በረኽቲ፥ ሓዘ። 12ደቂ ምናሴ ግና ነዘን ከተማታት ክወስድወን ኣይከኣሉን፤ ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይነብሩ ነበሩ። 13ደቂ እስራኤል ምስ በርትዑ ድማ ንከነዓናውያን ኣገዲዶም ኣስርሕዎም እምበር፥ ፈፂሞም ኣየውፅእዎምን። 14ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ ከምዙይ ኢሎም ሓተትዎ፦ “ንሕና ብዙሕ ህዝቢ ኢና፥ ክሳዕ ሕዚ ኣቦና ባሪኹና እዩ እሞ፥ ስለምንታይ ሓደ ዕፃን ሓደ ግደን ጥራሕ ንርስቲ ሃብካና?”
15ኢያሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ክንድዙይ ብዙሓት እንተ ዄንኩም፥ ናብ ዱር ደይቡ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ረፋውያን ኣብኡ ፅረጉ፤ ኰረብታታት ኤፍሬም ንኣኻትኩም ፀቢብ እዩ እሞ።”
16ደቂ ዮሴፍ ድማ ከምዙይ በሉ፦ “እቲ ኰረብታታት ኣይኣኽለናን፤ ኵሎም እቶም ኣብ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን ድማ፥ እቶም ኣብ ቤትሳንን ቍሸታታን ዘለዉን እቶም ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዘለዉን፥ ናይ ሓፂን ሰረገላታት ኣለዎም።”
17ሽዑ ኢያሱ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ብዙሓትን የመና ብርቱዓትን ኢኹም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይክህልወኩምን እዩ፥ 18እቲ ኰረብታታት እውን ናትኩም ክኸውን እዩ እሞ። ዱር እዩ፥ ግና ክትፅርግዎ ኢኹም፤ እቲ ርሑቕ ወሰኑ ድማ ናትኩም ክኸውን እዩ። ሰረገላታቶም ናይ ሓፂን እኳ እንተ ኾነ፥ ንሳቶም ድማ ብርቱዓት እኳ እንተ ኾኑ፥ ንከነዓናውያን ክትሰጕጕዎም ኢኹም።”