ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ነታ ዝተረፈት ምድሪ ይመቕል

ሸውዓተ ነገዳት ነታ ኣቦና ዝሃቦም ምድሪ ገና ኣይወረሱን ነበሩ፥ ኢያሱ ኸዓ ክሳዕ መዓስ ከም ዝድንጕዩ ሓተቶም። ነታ ምድሪ ናብ ሸውዓተ ኽፋል ክፅሕፉ ሰብ ለኣኸ፥ ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐ፥ እቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን ዮሴፍን ዘሎ ንእሽተይ ግደ ብንያም ድማ ቅድም ተገልፀ።

ምዕራፍ 18።

ሽዑ ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣኪቦም ኣብኡ ድንኳን ምርኻብ ኣቖሙ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚኦም ተዋሪዳ ነበረት። ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ገና ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገዳት ተሪፎም ነበሩ። ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነታ ኣቦና፥ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ዝሃበኩም ምድሪ ኣቲኹም ንምውራስ ክሳዕ መዓስ ክትድንጕዩ ኢኹም? ከካብ ነገድ ሰለስተ ሰብኡት ሃቡ፤ ነታ ምድሪ ሓሊፎም ንርስቶም ፅሒፎም ናባይ ምእንቲ ኽምለሱ ኸዓ ክልእኾም እየ። ናብ ሸውዓተ ኽፋል ድማ ይመቕልዋ፤ ይሁዳ ብወገን ደቡብ ኣብ ወሰኑ ይፀንሕ፥ ቤት ዮሴፍ ድማ ብወገን ሰሜን ኣብ ወሰኑ ይፀንሕ። ነታ ምድሪ ናብ ሸውዓተ ኽፋል ፅሒፍኩም ናባይ ኣምፅእዋ፤ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ። ሌዋውያን ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን፤ ክህነት ኣቦና ርስቶም እዩ እሞ። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ከዓ ነቲ ሙሴ ባርያ ኣቦና ዝሃቦም ርስቶም፥ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ተቐቢሎም እዮም።”

እቶም ሰባት ድማ ተልዒሎም ከዱ፤ ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ክፅሕፉ ዝኸዱ ኣዘዞም፦ “ኪዱ፥ ነታ ምድሪ ዙሩ፥ ፅሓፍዋ፥ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነ ድማ ኣብ ሴሎ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።”

እቶም ሰባት ከዱ፥ ነታ ምድሪ ሓለፉ፥ በብኸተምኡ ናብ ሸውዓተ ኽፋል ኣብ መፅሓፍ ፅሒፎም ድማ ናብ ኢያሱ ናብ ሰፈር ሴሎ ተመለሱ። ኢያሱ ኸዓ ኣብ ሴሎ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ኢያሱ ድማ ኣብኡ ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሎም መቐሎም።

ኣቦ ንብንያም ዝሃቦ

እቲ ንነገድ ደቂ ብንያም ዝበፅሖም ዕፃ ኸከም ዓሌቶም ወፀ፤ ወሰን እቲ ዕፃኦም ድማ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወፀ። ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ዮርዳኖስ ጀሚሩ፥ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ ኢያሪኮ ይድይብ፤ በቲ እምባታት ናብ ምዕራብ ይድይብ፤ እቲ መውፅኢ ኸዓ ናብ ምድረ በዳ ቤት ኣዌን ይበፅሕ። ካብኡ እቲ ወሰን ናብ ደቡብ ናብ ሎዛ፥ ናብ ፀግዒ ሎዛ፥ ንሳ ቤቴል እያ፥ ይሓልፍ፤ ካብኡ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር፥ ኣብቲ ብደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ እምባ ይወርድ። እቲ ወሰን ከዓ ዘይሩ ብወገን ምዕራብ ናብ ደቡብ ይምለስ፤ ካብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ዘሎ እምባ ብደቡብ ኣቢሉ፥ ናብ ቂርያትበኣል፥ ንሳ ቂርያት የዓሪም እያ፥ ሓንቲ ኸተማ ደቂ ይሁዳ ይበፅሕ። እዝ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰን ካብ ጫፍ ቂርያት የዓሪም ይጅምር፤ እቲ ወሰን ድማ ንምዕራብ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይወፅእ። እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጫፍ እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሄኖም ዘሎ እምባ፥ ኣብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ይወርድ፤ ካብኡ ድማ በቲ ለሰ ሄኖም ናብ ደቡባዊ ፀግዒ ኢያቡሳውያን ይወርድ፤ ናብ ዔንሮጌል ከዓ ይወፅእ። ናብ ሰሜን ዘይሩ ድማ ናብ ዔይን ሳሚስ ይወፅእ፤ ናብ ጌሊሎት፥ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም፥ ይሓልፍ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። ናብቲ ኣብ መንፅር ጐልጐል ብሰሜን ዘሎ ፀግዒ ይሓልፍ፤ ካብኡ ድማ ናብ ጐልጐል ይወርድ። እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ ቤት ሖግላ ይሓልፍ፤ መውፅኢ እቲ ወሰን ድማ ናብ ሰሜናይ ወሽመጥ ባሕሪ ጨው፥ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ይበፅሕ። እዝ ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰን እዩ። ፈለግ ዮርዳኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ወሰኑ ነበረ። እዝ ርስቲ ደቂ ብንያም፥ ምስ ኵሉ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ወሰኑ፥ ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ። ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ ኢያሪኮ፥ ቤት ሖግላ፥ ዔመቅ ቀፂፅ፥ ቤትዓረባ፥ ፄማራይም፥ ቤቴል፥ ዓዊም፥ ፓራ፥ ዖፍራ፥ ከፈርዓሞኒ፥ ዖፍኒ፥ ጊብዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ። ገባዖን፥ ራማ፥ ብኤሮት፥ ምፅጳ፥ ከፌራ፥ ሞፃ፥ ሬቀም፥ ይርጵኤል፥ ታራላ፥ ፄላ፥ ሃኤለፍ፥ እታ ኸተማ ኢያቡሳውያን፥ ንሳ ኢየሩሳሌም እያ፥ ጊብዓን ቂርያትን፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ። እዝ ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዩ።