ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ግደ ኣቦ ንስምኦን

እተን ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ዕፃታት፥ ነገድ ብነገድ፥ ስምኦን ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብዪ ግደ ይሁዳ ተጠቒሉ። ዳን ርስቱ ስኢኑ ብሰሜን ካልእ ብሓይሊ ወሰደ። ኣብ መወዳእታ ጥራሕ ከዓ ኢያሱ ብትእዛዝ ኣቦና ኸተማ ተቐበለ—እቲ ነታ ምድሪ ዝመቐለ ሰብ ዳሕረዋይ ኮይኑ ተገልገለ።

ምዕራፍ 19።

እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፥ ንነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወፀ። ርስቶም ድማ ኣብ ማእኸል ርስቲ ይሁዳ ነበረ። ርስቶም ድማ ቤርሳቤህን ሳባን ሞላዳን፥ ሓፃር ሹዓልን በላን ዓፀምን፥ ኤል ቶላድን ቤቱልን ሔርማን፥ ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፃርሱሳን፥ ቤትልባዎትን ሻሩሔንን፥ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ፤ ዓይንን ሪሞንን ዔቴርን ዓሻንን፥ ኣርባዕተ ኸተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ፤ ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ዘለዋ ኵለን ቑሸታት ድማ፥ ክሳዕ በዓላትብኤር፥ ራማ ናይ ነጌብ ነበራ። እዚ ዅሉ ኸዓ ናይ ነገድ ደቂ ስምኦን ርስቲ፥ ከከም ዓሌቶም እዩ። ግደ ይሁዳ ንኣኣቶም ይበዝሖም ስለ ዝነበረ፥ ርስቲ ስምኦን ካብ ግደ ይሁዳ ኾነ፤ ስለዙይ ስምኦን ኣብ ማእኸል ርስቲ ይሁዳ ርስቱ ረኸበ።

ግደ ኣቦ ንዛብሎን

እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ደየበ። ወሰን ርስቶም ድማ ክሳዕ ሳሪድ በፅሐ። ወሰኖም ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ ናብ ማርዓላ ይድይብ፤ ንዳበሼትውን ይትንክፍ፤ ናብቲ ብምብራቕ ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ድማ ይበፅሕ። ካብ ሳሪድ ድማ ንምብራቕ ናብ ወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ናብ ወሰን ኪስሎትታቦር ይዘውር፤ ናብ ዳብራት ይወፅእ፤ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። ካብኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ናብ ጋትሔፌርን ዔትቃፂንን ይሓልፍ፤ ንኔዓ ኣቢሉ እናተዓፃፈፈ ናብ ሪሞን ይወፅእ። እቲ ወሰን ድማ ብሰሜን ናብ ሓናቶን ይዘውር፤ ኣብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይውዳእ። ቃጣትን ነህላልን ሺምሮንን ይድኣላን ቤትልሄምን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚኣተን ከተማታት ምስ ቑሸታተን እዩ።

ግደ ኣቦ ንይሳኮር

እቲ ራብዓይ ዕጭ ድማ ንይሳኮር፥ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወፀ። ወሰኖም ድማ ኢይዝራኤልን ኪሱሎትን ሱነምን፥ ሓፋራይምን ሺዖንን ኣናሓራትን፥ ራቢትን ቂስዮንን ኤቤፅን፥ ሬሜትን ዓይንገኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳጼፅን። እቲ ወሰን ድማ ንታቦርን ንሻሓፁማን ንቤትሳሜስን ይትንክፍ፤ ኣብ ዮርዳኖስ ከዓ ይውዳእ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ። ርስቲ ነገድ ደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እተን ከተማታትን ቑሸታተንን እዩ።

ግደ ኣቦ ንኣሴር

እቲ ሓምሻይ ዕጭ ድማ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወፀ። ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን በጠንን ኣክሻፍን፥ ኣለማሌክን ዓማድን ሚሽኣልን ነበረ፤ ብምዕራብ ድማ ንቀርሜሎስን ንሺሖርሊብናትን ይትንክፍ። ናብ ወገን ምብራቕ ናብ ቤትዳጎን ይዘውር፤ ንዛብሎንን ንለሰ ይፍታሕኤልን ይትንክፍ፤ ብሰሜን ናብ ቤትዔመቅን ናብ ነዒኤልን ይኸይድ፤ ብፀጋም ናብ ካቡል ይወፅእ፤ ዔብሮንን ረኣብን ሓሞንን ቃናን ክሳዕ ዓባይ ሲዶና ነበረ። እቲ ወሰን ድማ ናብ ራማን ናብ እታ እተዓረደት ከተማ ጢሮስን ይዘውር፤ ናብ ሆሳ ድማ ይዘውር፤ ኣብ ከባቢ ኣክዚብ ኣብ ባሕሪ ከዓ ይውዳእ፤ ዑማን ኣፌቅን ረኣብን ዕስራን ክልተን ከተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚኣተን ከተማታት ምስ ቑሸታተን እዩ።

ግደ ኣቦ ንንፍታሌም

እቲ ሻድሻይ ዕጭ ድማ ንደቂ ንፍታሌም፥ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወፀ። ወሰኖም ድማ ካብ ሔሌፍ፥ ካብታ ኣብ ፃዕናይም ዘላ ዓብዪ ኦም፥ ብኣዳሚንቄብን የብንኤልን ኣቢሉ ክሳዕ ላቁም ይኸይድ፤ ኣብ ዮርዳኖስ ከዓ ይውዳእ። እቲ ወሰን ድማ ንምዕራብ ናብ ኣዝኖትታቦር ይዘውር፤ ካብኡ ድማ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ፤ ብደቡብ ንዛብሎን፥ ብምዕራብ ንኣሴር፥ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ንይሁዳ ይትንክፍ። እተዓረዳ ከተማታት ድማ ፂዲምን ፄርን ሓማትን ራቃትን ኪኔሬትን፥ ኣዳማን ራማን ሓፆርን፥ ቃዴስን ኤድሬዒን ዓይንሓፆርን፥ ዪሮንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት ኮይነን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ። ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም እተን ከተማታት ምስ ቑሸታተን እዩ።

ግደ ኣቦ ንዳን

እቲ ሻብዓይ ዕጭ ድማ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወፀ። ወሰን ርስቶም ድማ ፆርዓን ኤሽታኦልን ዒርሳሜስን፥ ሻዓልቢንን ኤሎንን ዪትላን፥ ኤሎንን ተምናን ኣስቀሎናን፥ ኤልትቄን ጊብቶንን ባዕላትን፥ ይሁድን ቤኔበራቅን ጋትሪሞንን፥ ሜያርቆንን ራቆንን፥ ምስ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎ ወሰን። ወሰን ደቂ ዳን ካብኣቶም ምስ ጠፍአ ድማ፥ ደቂ ዳን ደዪቦም ምስ ሌሼም ተዋግኡ፤ ሒዞም ኸዓ ብሰይፊ ወቒዖም ወረስዋ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፤ ብስም ወላዲኦም ዳን ከዓ ንሌሼም ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም፥ እዘን ከተማታት እዚኣተንን ቍሸታተንን እዙይ እዩ።

ኣቦ ንኢያሱ ዝሃቦ ህያብ

ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኸከም ወሰና ኣካፊሎም ምስ ወድኡ ድማ፥ ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ። ከም ትእዛዝ ኣቦና ድማ፥ እታ ዝለመነ ኸተማ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም እትርከብ ተምናሴራ ሃብዎ። ንሳ ኸዓ መሊሱ ሰሪሑ ኣብኣ ተቐመጠ። እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ ኣብ ሺሎ ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ብዕፃ ዘካፈልዎም ርስቲታት እዚኣቶም እዮም። በዝ ከምዙይ ከዓ ነታ ምድሪ ኣካፊሎም ወድእዋ።