ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ከተማታት መዕቘቢ የዳሉ

ኣቦና ሽዱሽተ ከተማታት መዕቘቢ ይፈሊ፤ ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሰብ ናብአን ሃዲሙ፥ ብፈዳዪ ደም ቅድሚ ምቕታሉ ነገሩ ምእንቲ ኽስማዕ። እቶም ሕግጋት ድማ ፍሉያት እዮም፦ ኣብ ኣፍ ደገ ነገርካ ንገር፥ ክሳዕ ፍርዲ ፅናሕ፥ ክሳዕ እቲ ሊቀ ካህናት ዝመውት ከዓ ፅናሕ።

ምዕራፍ 20።

ኣቦና ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ‘ኣነ ብሙሴ ኣቢለ ዝነገርኩኹም ከተማታት መዕቘቢ ንባዕልኻትኩም ፍለዩ፥ ብዘይ ምፍላጥ ብድንገት ሰብ ዝቐተለ ዝኾነ ሰብ ናብአን ምእንቲ ኽሃድም፤ ካብቲ ፈዳዪ ደም ድማ መዕቘቢ ይኹናኹም። ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ዝሃደመ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይንገሮም። ንሳቶም ከዓ ናብ ከተማኦም ኣእትዮም ቦታ ይሃብዎ፤ ምሳታቶምውን የንብርዎ። እቲ ፈዳዪ ደም እንተ ሰጐጎ ኸዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ስለ ዘይነበሮ፥ ንብፃዩ ድማ ብዘይ ምፍላጥ ስለ ዝወቕዖ፥ ነቲ ቐታሊ ናብ ኢዱ ኣይሕብዎ። ክሳዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ንፍርዲ ዝቐውም፥ ክሳዕ እቲ በቲ እዋን እቲ ዘገልግል ሊቀ ካህናት ዝመውትውን፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ይፅንሕ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ናብ ከተማኡን ቤቱን፥ ናብታ ዝሃደመላ ዓዲ ይምለስ።’”

ነታ ኣብ ገሊላ፥ ኣብ እምባታት ንፍታሌም ዘላ ቃዴስ፥ ነታ ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘላ ሴኬም፥ ነታ ኣብ እምባታት ይሁዳ ዘላ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ድማ ፈለዩ። ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ ኸዓ፥ ካብ ነገድ ሮቤል ነታ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደጕዓ ዘላ ቦሶር፥ ካብ ነገድ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ካብ ነገድ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ሃቡ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዝኾነ ሰብ ናብአን ሃዲሙ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ንፍርዲ ቕድሚ ምቕራቡ ብኢድ እቲ ፈዳዪ ደም ምእንቲ ኸይመውት፥ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ኣብ መንጎኦም ዝነብሩ ጓኖትን ዝተፈለያ ነበራ።