ውድቀት ኢየሩሳሌም
እቲ ኸበባ ተወድአ። እታ ኸተማ ተሰብረት፥ ሴዴቅያስ ሃዲሙ ተታሕዘ፥ ንደቁ ኽሕረዱ ረአየ፥ ኣዒንቱ ተዓዊሩ ብሰንሰለት ተኣስረ። እታ ኸተማ ነደደት፥ ነቶም ድኻታት ድማ እቲ ገራህቲ ተዋህቦም። ኤርሚያስ ብትእዛዝ ናቡከደነፆር ባዕሉ ተፈትሐ፤ ኣቦና ድማ ንኤቤድሜሌክ ስለ ዝተኣመኖ ህይወቱ ኣተስፈዎ።
39 1ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት ንጉስነት ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ከበባ። 2ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሴዴቅያስ፥ ኣብ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ እታ ኸተማ ተሰብረት። 3ሽዑ ኵሎም ሹመኛታት ንጉስ ባቢሎን መፂኦም ኣብ ማእኸላይ ደገ ተቐመጡ፦ ኔርጋል ሳሬጼር፥ ሳምጋር ኔቦ፥ ሳርሰኪም እቲ ራብ ሳሪስ፥ ኔርጋል ሳሬጼር እቲ ራብ ማግ፥ ምስ ዝተረፉ ሹመኛታት ንጉስ ባቢሎን። a a v3 ራብ ሳሪስን ራብ ማግን ኣብ መንጎ ናይ ባቢሎን ንጉሳውያን ሹመኛታት ልዑል መዓርግ ነበሩ። 4ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባትን ምስ ረአይዎም፥ ብለይቲ በቲ ናይ ንጉስ ገነት፥ በቲ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ደገ ገይሮም ካብታ ኸተማ ሃደሙ፤ ንሱ ድማ ናብ ዓረባ ወፀ። 5ሰራዊት ባቢሎን ግና ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ኣብ ምድሪ ሓማት ናብ ዘላ ሪብላ ወሰድዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ፍርዲ ፈረደ። 6ንጉስ ባቢሎን ድማ ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ክቡራት ይሁዳ ኸዓ ሓረዶም። 7ሽዑ ንዓይኒ ሴዴቅያስ ኣዖሮ፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ ብሰንሰለት ነሃስ ኣሰሮ።
8ባቢሎናውያን ድማ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ንቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ። 9ነቡዛርዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን ነቶም ናብኡ ዝኸድዑ ከዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ናብ ባቢሎን ማረኾም። 10ነቡዛርዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና ነቶም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ኣዝዮም ድኻታት ህዝቢ ኣብ ይሁዳ ሓደጎም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣታኽልቲ ወይንን ገራህትን ሃቦም።
11ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ድማ ብዛዕባ ኤርሚያስ ብነቡዛርዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ገይሩ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፦ 12“ውሰዶ፤ ተኸናኸኖ፤ ዋላ ሓደ ኽፉእ ኣይትግበሮ፤ ዝለመነካ ዅሉ ደኣ ግበረሉ እምበር።”
13ነቡዛርዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ፥ ምስ ነቡሻዝባን እቲ ራብ ሳሪስን፥ ኔርጋል ሳሬጼር እቲ ራብ ማግን፥ ምስ ኵሎም ዓበይቲ ሹመኛታት ንጉስ ባቢሎን፥ ለኣኸ። 14ልኢኾም ድማ ንኤርሚያስ ካብ መካበብያ ዘብዐኛታት ኣምፅእዎ፤ ናብ ገዛ ክወስዶ ኸዓ ንጌዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሳፋን ሃብዎ። ከምኡ ኸዓ ኣብ መንጎ ህዝቢ ተቐመጠ።
15ኤርሚያስ ኣብ መካበብያ ዘብዐኛታት ተዓፅዩ እንተሎ፥ ቃል ኣቦና ናብኡ ኸምዙይ ኢሉ መፅአ፦
16“ኪድ እሞ ንኤቤድ ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ ከምዙይ በሎ፦ ‘ሰራዊት ሰማይ ዘለዎ ኣቦ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ቃላተይ ኣብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣ ንኽፉእ እምበር ንፅቡቕ ዘይኮነ ከምፅእ እየ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ኽፍፀሙ እዮም። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ከድሕነካ እየ ይብል ኣቦና፤ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ሰባት ኣይክትውሃብን ኢኻ። 18ብርግፅ ከድሕነካ እየ፤ ብሰይፊ ኣይትወድቕን ኢኻ። ብኣይ ስለ ዝኣመንካ፥ ህይወትካ ኸም ዘመተ ኽትረኽባ ኢኻ ይብል ኣቦና።’ ”