ምኽሪ ሶራ፥ ሸኽሚ ኣጋር
ምፅባይ ስለ ዘይሰለጠ፥ ሶራ ንኣጋር ንኣብራም ሃበቶ፤ ጥንሲ ናብ ንዕቀት፥ ንዕቀት ድማ ናብ ጭቆና ተለወጠ፥ ኣጋር ከዓ ሃደመት። መልኣኽ ኣቦና ኣብ ዓይኒ ማይ በረኻ ረኸባ፥ ብዛዕባ ወዳ መብፅዓ ሂቡ ድማ መለሳ፤ ንኣቦና ኸዓ ዝሪኣ ኢላ ሰመየቶ።
16 1ሶራ ሰበይቲ ኣብራም፥ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር ዝስማ ግብፃዊት ኣገልጋሊት ከዓ ነበረታ። 2ሶራ ድማ ንኣብራም “እንሆ፥ ኣቦና ኸይወልድ ኸልኪሉኒ ኣሎ። ናብ ኣገልጋሊተይ እቶ፤ ምናልባሽ ብእኣ ቤት ክሃንፅ እኽእል ይኸውን” በለቶ። ኣብራም ከዓ ከምቲ ሶራ ዝበለቶ ገበረ። a a v2 ኣብቲ ልምዲ እቲ ዘመን እቲ፥ ሓንቲ ኣገልጋሊት ኣብ ክንዲ እታ ስድራ ቤት ውሉድ ክትወልድ ትኽእል ነበረት፤ እቲ ውሉድ ከዓ ከም ናይታ ስድራ ቤት ባዕላ ኾይኑ ይቑፀር ነበረ። 3ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምንባሩ፥ ሶራ ሰበይቱ ነታ ግብፃዊት ኣገልጋሊት ኣጋር ወሲዳ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ንሰብኣያ ኣብራም ሃበቶ። 4ናብ ኣጋር ድማ ኣተወ፤ ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት ድማ ንእመቤታ ነዓቐታ። 5ሶራ ድማ ንኣብራም “ዓመፃይ ኣባኻ ይኹን። ኣነ ኣገልጋሊተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፤ ሕዚ ኸዓ ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት ነዓቐትኒ። ኣቦና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ።
6ኣብራም ድማ ንሶራ “እንሆ፥ ኣገልጋሊት ኣብ ኢድኪ ኣላ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየኪ ግበራ” በለ። ሶራ ኸዓ ኣሳቐየታ፤ ንሳ ድማ ካብ ቅድሚኣ ሃደመት።
7መልኣኽ ኣቦና ድማ ንኣጋር ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ በረኻ፥ ኣብታ ናብ ሹር እትወስድ መንገዲ ኣብ ዘላ ዓይኒ ማይ ረኸባ። b b v7 መልኣኽ ኣቦና ኸም ኣቦና ባዕሉ ይዛረብ — ንኣጋር ክትረኽቦን ክትሰምዖን ክትምልሰሉን ብእትኽእል መልክዕ እናተራእያ።
8“ኣጋር ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኪ? ናበይ ከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ካብ እመቤተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” ኢላ መለሰትሉ።
9መልኣኽ ኣቦና ድማ “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፤ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸዓ ተገዝኢ” በላ። 10መልኣኽ ኣቦና ድማ “ዘርእኺ እምብዛ ኸብዝሖ እየ፤ ብዝሑ ኸዓ ክቑፀር ኣይከኣልን እዩ” በላ። 11መልኣኽ ኣቦና ድማ ከምዙይ በላ፦ “እንሆ፥ ጠኒስኪ ኣለኺ፤ ወዲ ኸዓ ክትወልዲ ኢኺ። እስማኤል ኢልኪ ኸዓ ክትሰምይዮ ኢኺ፥ መከራኺ ሰሚዐ እየ እሞ። 12ንሱ ናይ በረኻ ኣድጊ ዝኾነ ሰብኣይ ክኸውን እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ኢድ ኵሉ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንፅር ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ክነብር እዩ።”
13ነቲ ዝተዛረባ ኣቦና ኸዓ “ንስኻ ኤል ሮኢ፥ ዝሪአኒ ኣምላኸይ ኢኻ” ኢላ ሰመየቶ፤ “ነቲ ዝሪአኒ ሕዚ ርእየዮ ኣለኹ” ኢላ ነበረት እሞ። 14ስለዙይ እዩ እታ ዒላ “ብኤር ለሓይ ሮኢ” ተባሂላ ዝተፀውዐት፤ ንሳ ኣብ መንጎ ቃዴስን በሬድን ኣላ።
15ኣጋር ከዓ ንኣብራም ወዲ ወለደት፤ ነቲ ዝተወለደሉ ወዱ ድማ ኣብራም “እስማኤል” ኢሉ ሰመዮ። 16ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ኽትወልደሉ እንተላ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ።