መስፍን ኣብ ምብራቓዊ ደገ
እቲ ምብራቓዊ ደገ ብሰናብትን ብሰርቀ ወርሕን ጥራሕ ይኽፈት፤ መስዋእቱ ንኣቦና ኽቐርብ እንተሎ መስፍን ኣብ ጥቓ ልዳቱ ደው ይብል፤ እቶም ዝሰግዱ ድማ በቲ ዝኣተዉሉ ዘይኮነ በቲ ኣንፃሩ ዘሎ ደገ ይውፅኡ። መስፍን ርስቲ ስድራ ኣይግበት። ህዝቅኤል ድማ እቲ መብሰሊ ቦታታት ተራእዮ።
46 1ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ እቲ ናይ ውሽጣዊ ኣፀድ ምብራቓዊ ደገ ሽዱሽተ መዓልቲታት ስራሕ ዕፁው ይኹን፤ ብሰንበት ግና ይኽፈት፥ ብሰርቀ ወርሒ ድማ ይኽፈት። 2“እቲ መስፍን ካብ ወፃኢ ብኣዳራሽ እቲ ደገ ይኣቱ፤ እቶም ካህናት ዝቃፀል መስዋእቱን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡ እንተለዉ ኸዓ ኣብ ጥቓ ልዳት ደው ይበል። ኣብ ድርኵዂት እቲ ደገ ይሰግድ፥ ደሓር ድማ ይወፅእ፤ እቲ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ክፉት ይኹን። 3ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ብሰናብትን ብሰርቀ ወርሕን ኣብ ኣፍ እቲ ደገ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ይሰግዱ። 4እቲ ብሰንበት ንኣቦና ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ መስፍን፥ ሽዱሽተ ነውሪ ዘይብሎም ጡበት፥ ሓደ ነውሪ ዘይብሉ ማጕላን እዩ። 5መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ፥ ምስቲ ማጕላ ኣስታት ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ ሕሩጭ፥ ምስቶም ጡበት ድማ ከም ዓቕሙ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ይኹን። 6ብመዓልቲ ሰርቀ ወርሒ ድማ፥ ሓደ ንእሽቶ ዝራብዕ፥ ሽዱሽተ ጡበት፥ ሓደ ማጕላ፥ ኵሎም ነውሪ ዘይብሎም ይኹኑ። 7ንመስዋእቲ እኽሊ ኸዓ፥ ምስቲ ዝራብዕ ኣስታት ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ፥ ምስቲ ማጕላ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ፥ ምስቶም ጡበት ድማ ከም ዓቕሙ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ ከዓ ኣስታት ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ የቕርብ። 8እቲ መስፍን ክኣቱ እንተሎ፥ ብኣዳራሽ እቲ ደገ ይኣቱ፥ በኡ ድማ ይወፅእ።
9ህዝቢ እታ ምድሪ በቲ ምዱብ በዓላት ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክመፁ እንተለዉ፥ እቲ ኽሰግድ ኢሉ ብደገ ሰሜን ዝኣቱ በቲ ደቡብ ይወፅእ፥ እቲ ብደቡብ ዝኣቱ ኸዓ በቲ ሰሜን ይወፅእ። ሓደ እኳ በቲ ዝኣተዎ ደገ ኣይምለስን፥ ነፍሲ ወከፍ ቀጥ ኢሉ ይወፅእ። 10እቲ መስፍን ድማ ኣብ ማእኸሎም ይኸውን፤ ንሳቶም ክኣትዉ እንተለዉ ይኣቱ፥ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ ይወፅእ። 11ኣብ በዓላት ከምኡውን ኣብ ምዱብ ጊዜያት ከዓ፥ መስዋእቲ እኽሊ፥ ምስ ሓደ ዝራብዕ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ ሕሩጭ፥ ምስ ማጕላ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ፥ ምስ ጡበት ድማ ከም ዓቕሙ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕስራን ኣርባዕተን ሊትሮ ከዓ ኣርባዕተ ሊትሮ ዘይቲ ይኹን። 12እቲ መስፍን ንኣቦና ብፍቓዱ ዝወሃብ መባእ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ክህብ እንተሎ፥ እቲ ናብ ምብራቕ ዝጥምት ደገ ይኽፈተሉ። ዝቃፀል መስዋእቱን መስዋእቲ ምስጋናን ከምቲ ብሰንበት ዝገብሮ የቕርብ፥ ደሓር ይወፅእ፥ ምስ ወፀ ኸዓ እቲ ደገ ይዕፀው።
13ንኣቦና ናይ ዕለት ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ነውሪ ዘይብሉ ወዲ ዓመት ጡበት ኣቕርብ፥ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ኸዓ ኣዳልዎ። 14ኵሉ ንግሆ ምስኡ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕርብ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ሊትሮ ልሑም ሕሩጭን ነቲ ሕሩጭ ዝለውስ ሓደ ሊትሮ ዘይትን፤ እዙይ ንኣቦና ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ፥ ስርዓት ዘለኣለም፥ ንዘለኣለም እዩ። 15ነቲ ጡበት፥ መስዋእቲ እኽልን ዘይትን ኵሉ ንግሆ የቕርቡ፤ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።”
16ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ “እቲ መስፍን ንሓደ ኻብ ደቁ ህያብ እንተ ሃበ፥ እቲ ህያብ ርስቲ እቲ ወዱ ይኸውን፤ ንደቁ ድማ ከም ርስቶም ይኸውን። 17ካብ ርስቱ ገለ ንሓደ ባርያ እንተ ሃበ ግና፥ ክሳዕ ዓመት ምሕረት ናይቲ ባርያ ይኸውን፥ ደሓር ናብቲ መስፍን ይምለስ። ርስቱ ናይ ደቁ ጥራሕ እዩ፤ ናታቶም እዩ። 18እቲ መስፍን ነቲ ህዝቢ ኻብ ርስቶም እናደፍአ፥ ርስቲ እቲ ህዝቢ ኣይውሰድ። ንደቁ ኻብ ገዛእ ርስቱ ርስቲ ይህቦም፤ ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ምእንቲ ኸይስጐ።”
ቅዱሳት መብሰሊ ቤተ መቕደስ
19ሽዑ በቲ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ዘሎ መእተዊ ኣቢሉ፥ ናብ ሰሜን ዝጥምት ቅዱሳት ክፍልታት ካህናት ኣእተወኒ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣብቲ ናይ ምዕራብ ወሰን ቦታ ነበረ።
20በለኒ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ኣብዙይ ነቲ ክንዲ በደል ዝስዋእን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን የብስልዎ፥ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ይስንክትዎ፤ ናብ ናይ ወፃኢ ኣፀድ ኣውፂኦም ንህዝቢ ቅድስና ምእንቲ ኸየሕልፉ።” a a v20 ኣብ ኣምልኾ እስራኤል፥ እቶም ቅዱሳት ኣቑሑ መንፈሳዊ ሓይሊ ዘለዎም ይቑፀሩ ነበሩ፤ ንኣኣቶም ምንካእ ነቶም ብስርዓት ዘይተዳለዉ ተራ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከእትዎም ይኽእል ነበረ፤ ስለዙይ እቲ ምብሳል ኣብ ውሽጢ እቲ ቅዱስ ከባቢ ተገብረ።
21ናብ ናይ ወፃኢ ኣፀድ ኣውፅአኒ፥ በቲ ኣርባዕተ መኣዝኑ ድማ ኣሕለፈኒ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን ከዓ ኣፀድ ነበረ። 22ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣፀድ፥ ዕፁዋት ኣፅዳት ነበሩ፤ ምንዋሖም ኣስታት ዕስራን ሓደን ሜትር፥ ወርዶም ከዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትር ነበረ፤ ኣርባዕቲኦም ዓቐኖም ማዕረ ነበረ። 23ኣብ ውሽጢ ኣርባዕቲኦም ዙርያ፥ መስርዕ እምኒ ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ እቲ መስርዓት ድማ ኣብ ዙርያ መባስል ዝተሰርሑ ነበሩ።
24ሽዑ በለኒ፦ “እዚኣቶም፥ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ዘብስሉሎም መብሰሊ እዮም።”