ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እቲ ኸም መዓር ጥዑም መፅሓፍ

ነቲ መፅሓፍ በልዖ፥ ከም መዓር ድማ ጥዑም ኮነሉ፤ ሽዑ ናብቶም ኣብ ቴል-ኣቢብ ዘለዉ ምሩኻት ተወስደ፥ ኣብኡ ድማ ተገሪሙ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጠ። ኣቦና ሓላዊ ገበሮ፥ ንምጥንቃቕ ሓላፍነት ሃቦ፤ ሽዑ ቃላት ምስ ዝወሃቦ ጥራሕ ምእንቲ ኽዛረብ፥ መልሓሱ ኣሰረ።

ምዕራፍ 3።

ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ እትረኽቦ ብላዕ፤ ነዝ መፅሓፍ እዙይ በሊዕኻ ኬድካ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ።

ኣነ ድማ ኣፈይ ከፈትኩ፤ ንሱ ኸዓ ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክበልዖ ሃበኒ።

ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ መፅሓፍ ንኸብድኻ ኣብልዓዮ፥ ውሽጥኻ ድማ ምልኣሉ” በለኒ። ኣነ ኸዓ በላዕክዎ፤ ኣብ ኣፈይውን ከም መዓር ጥዑም ኮነ።

ድሕሪዙይ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ቤት እስራኤል ኬድካ ቃላተይ ተዛረቦም” በለኒ።

“ናብ ዘረባኦም ዝተሰወረ ቛንቋኦም ከዓ ከቢድ ዝኾነ ህዝቢ ዘይኮነ ደኣ፥ ናብ ቤት እስራኤል ኢኻ እትልኣኽ ዘለኻ፤ ናብ ብዙሓት፥ ዘረባኦም ዝተሰወረ ቛንቋኦም ከዓ ከቢድ፥ ቃላቶም ክትርዳእ ዘይትኽእል ኣህዛብ ኣይኮንካን ዝልኣኽካ። ናብኣቶም እንተ ዝልእከካ ነይረ፥ ብሓቂ ምሰምዑኻ ነይሮም። ቤት እስራኤል ግና ንኣይ ክሰምዑ ኣይደልዩን እዮም እሞ፥ ንኣኻ ኽሰምዑ ኣይደልዩን እዮም፤ ኵሉ ቤት እስራኤል ተረርቲ ኽሳድ፥ ተረርቲ ልቢ እዮም እሞ። እንሆ፥ ንገፅካ ኸም ገፆም፥ ንግንባርካ ድማ ከም ግንባሮም ኣትሪረ ኣለኹ። ንግንባርካ ኸም ኣልማዝ፥ ካብ ኰዅሒ ዝተረረ ገይረ ኣለኹ። ንሳቶም ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ፥ ብገፆም ድማ ኣይትሸበር” በለኒ።

ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ኣነ ዝዛረበካ ዅሉ ቃላተይ ናብ ልብኻ ውሰዶ፥ ብኣእዛንካ ድማ ስምዓዮ” በለኒ። “ናብቶም ምሩኻት ዝኾኑ ደቂ ህዝብኻ ኬድካ ተዛረቦም። ይስምዑ ኾኑ ይኣብዩ፥ ‘እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎም።”

ሽዑ መንፈስ ኣቦና ኣልዓለኒ፤ ብድሕረይ ከዓ፥ “ክብሪ ኣቦና ካብ ማሕደሩ ይባረኽ!” ዝብል ዓብዪ ድምፂ ህዂም ሰማዕኹ፤ ድምፂ ኣኽናፍ እቶም ህያዋን ፍጡራት ነንሕድሕዱ ዝነኻኸ፥ ድምፂ እቲ ኣብ ጐኒኦም ዝነበረ መንኰራዅር፥ ዓብዪ ድምፂ ህዂም ነበረ። መንፈስ ድማ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነ ኸዓ መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ እናነደደ ብምረት ከድኩ፤ ኢድ ኣቦናውን ኣብ ልዕለይ በርትዐ። ናብቶም ኣብ ቴል-ኣቢብ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝነበሩ ምሩኻት መፃእኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ተገሪመ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጥኩ።

እቲ ኣቦ ሓደ ሓላዊ ይሸይም

ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ፥ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኣኻ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕኻ ድማ፥ ካባይ ኣጠንቅቆም። ኣነ ንሓጢኣተኛ ‘ብርግፅ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፥ ንስኻ ኸዓ እንተ ዘይኣጠንቀቕካዮ፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ህይወቱ ምእንቲ ኽትድሕን ካብ ክፉእ መንገዱ ኽትመልሶ እንተ ዘይተዛረብካ፥ እቲ ሓጢኣተኛ ብሓጢኣቱ ክመውት እዩ፤ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደሊ እየ።

ንስኻ ግና ነቲ ሓጢኣተኛ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ ካብ ክፍኣቱ ወይ ካብ ክፉእ መንገዱ እንተ ዘይተመለሰ፥ ብሓጢኣቱ ክመውት እዩ፤ ንስኻ ግና ህይወትካ ኣድሒንካ ኢኻ።

ከምኡ ድማ ሓደ ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ዓመፅ እንተ ገበረ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ መዐንቀፊ እንተ ኣንበርኩሉ፥ ክመውት እዩ። ንስኻ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ፥ ብሓጢኣቱ ክመውት እዩ፤ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ኸዓ ኣይዝከርን፤ ደሙ ድማ ካብ ኢድካ ኽደሊ እየ። ንስኻ ግና ነቲ ፃድቕ ከይሓጥእ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ዘይሓጥአ፥ ተጠንቂቑ ስለ ዝተቐበለ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ንስኻውን ህይወትካ ኣድሒንካ ኢኻ።”

ኣብኡ ኢድ ኣቦና ኣብ ልዕለይ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ “ተስኢ፥ ናብቲ ለሰ ውፃእ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳኻ ክዛረብ እየ” በለኒ።

ኣነ ድማ ተሲአ ናብቲ ለሰ ወፃእኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝረአኽዎ ክብሪ፥ ክብሪ ኣቦና ኣብኡ ደው ኢሉ ነበረ፤ ኣነ ኸዓ ብገፀይ ተደፋእኹ።

መንፈስ ድማ ናባይ ኣተወ፥ ኣብ እግረይ ደው ኣበለኒ፥ ተዛረበኒ፥ ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ “ኪድ፥ ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ተዓፀው። ንስኻ ኸዓ ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ገመድ ኣብ ልዕሌኻ ክገብሩ፥ ብእኡ ድማ ክኣስሩኻ እዮም፤ ስለዙይ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ክትወፅእ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ከጥብቖ እየ፤ በሃም ክትከውን ኢኻ፤ ንሳቶም ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ፥ ክትገስፆም ኣይትኽእልን ኢኻ። “ኣነ ምሳኻ ክዛረብ እንተለኹ ግና፥ ኣፍካ ክኸፍተልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ‘እቲ ልዑል ኣቦ ኸምዙይ ይብል ኣሎ’ ክትብሎም ኢኻ። ንሳቶም ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፥ ዝኣቢ ድማ ይኣቢ።”