ኣቦ ንነቢዩ ይሰዶ
ኣቦና ንህዝቅኤል ኣብ ኣእጋሩ ደው ኣበሎ፥ ልኡኽ ከዓ ገበሮ፥ ናብ ዓመፀኛታት፥ ተረርቲ ገፅን ክኣብዩ ዝኽእሉን ተባሂሎም ዝተገለፁ ህዝቢ ተለኣኸ። ይስምዑ ይኣብዩ ኽዛረቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ኸይፈርሕ ተነግሮ፤ ሽዑ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ድጕዓን ሓዘንን ወይለን ዝተፅሓፎ ጥቕልል ዝበለ መፅሓፍ ተውሃቦ።
2 1ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኣእጋርካ ደው በል፤ ኣነ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ።” a a v1 ኣብዙይ “ወዲ ሰብ” ዝብል፥ “መዋቲ ሰብ” ማለት ጥራሕ እዩ፤ ንህዝቄል ከም ድኹም ሰብ ኣብ ቅድሚ ህያው እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ዘሎ ምዃኑ ዘመልክት እዩ እምበር፥ እቲ ኢየሱስ ድሓር ንባዕሉ ዝጠልቦ ናይ ንግስና መዓርግ ኣይኮነን።
2ኣቦና ክዛረበኒ እንተሎ ድማ መንፈስ ኣቦና ናባይ ኣተወ፥ ኣብ ኣእጋረይ ከዓ ደው ኣበለኒ፤ ክዛረበኒ ኸሎ ድማ ሰማዕኽዎ።
3ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብቶም ኣብ ልዕለይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝብታት እልእኸካ ኣለኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንኣይ በዲሎም እዮም። 4እቶም ውሉድ ተረርቲ ገፅን ተረርቲ ልብን እዮም። ናባታቶም እልእኸካ ኣለኹ፤ ንስኻ ኸዓ ‘ጐይታ ኣቦ ከምዙይ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ክትነግሮም ኢኻ። 5ሰሚዖም ይኹን ኣቢዮም፥ ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ነቢይ ከም ዝነበረ ክፈልጡ እዮም። 6ንስኻ ኸዓ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ እሾዅን ዳንዴርን ምሳኻ እኳ እንተ ኾኑ፥ ኣብ ማእኸል ዕንቅርቢት እኳ እንተ ተቐመጥካ፥ ንኣኣቶም ይኹን ንዘረባኦም ኣይትፍራሕ። ዓመፀኛ ቤት እዮም እሞ፥ ንዘረባኦም ኣይትፍራሕ፥ ብገፆም ከዓ ኣይትሸበር። 7ሰሚዖም ይኹን ኣቢዮም፥ ዓመፀኛታት እዮም እሞ፥ ቃላተይ ክትነግሮም ኢኻ። 8ንስኻ ኸዓ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቲ ኣነ ዝዛረበካ ስማዕ። ከምቲ ዓመፀኛ ቤት ኣይትዕመፅ። ኣፍካ ክፈት እሞ ነቲ ኣነ ዝህበካ ብላዕ።”
9ጠመትኩ፥ እንሆ ኸዓ ኢድ ናባይ ተዘርጊሓ ነበረት፤ ኣብኣ ድማ ጥቕልል ዝበለ መፅሓፍ ነበረ። 10ኣብ ቅድመይ ድማ ዘርግሖ፤ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ከዓ ድጕዓን ሓዘንን ወይለን ተፅሒፉ ነበረ።