ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንከበባ ኢየሩሳሌም የፍርም

ህዝቅኤል ነቲ ናይ ኣቦና ኸበባ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኵሉ ተዋስኦ ገይሩ ይፍፅሞ፦ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተፀርበ ጡብ፥ ንመንደቕ ዝኸውን ሓፂን መቝሎ፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ ብሓደ ጐድኑ፥ ኣርብዓ መዓልቲ ኸዓ በቲ ኻልእ ደቂሱ፥ ዝተመጠነ እንጀራን ዝተዓቕነ ማይን። ኣብ ልዕሊ ፈርሲ ሰብ ምስንካት ተቓወመ፥ ኣብ ክንድኡ ድማ ፈርሲ ላሕሚ ተውሃቦ።

ምዕራፍ 4።

“ንስኻ፥ ኦ ወዲ ሰብ፥ ጡብ ውሰድ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኣንብሮ፥ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ከተማ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ፅረብ። ክበባ፦ ኣብ ልዕሊኣ መከበቢ መንደቕ ስራሕ፥ ኣብ ልዕሊኣ ድልድል ሓመድ ኣልዕል፥ ኣብ ልዕሊኣ ሰፈር ኣንብር፥ ኣብ ዙርያኣ ኸዓ መሰባበሪ መንደቕ ኣንብር። ሓፂን መቝሎ ውሰድ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ከተማን ድማ ከም ሓፂን መንደቕ ጌርካ ኣንብሮ። ገፅካ ናብኣ ግበር፤ ንሳ ድማ ክትክበብ እያ፥ ንስኻ ኸዓ ከበባ ኣብ ልዕሊኣ ኣፅንዓዮ። እዙይ ንቤት እስራኤል ምልክት እዩ።

“ንስኻ፥ ብፀጋም ጐድንኻ ደቅስ፥ በደል ቤት እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። ኣብ ልዕሊኡ እትድቅሰለን መዓልቲታት፥ በደሎም ክትፆሮ ኢኻ። ኣነ ዓመታት በደሎም፥ ከም ቍፅሪ መዓልቲታት ጌረ፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ ሰሪዐልካ ኣለኹ፤ ስለዙይ በደል ቤት እስራኤል ክትፆር ኢኻ።

“እዚኣተን ምስ ወዳእካ፥ ከም ብሓድሽ ብየማን ጐድንኻ ደቅስ፥ በደል ቤት ይሁዳ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ፆር፤ ንነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ሰሪዐልካ ኣለኹ። ገፅካ ናብ ከበባ ኢየሩሳሌም ግበር፥ ቅልፅምካ ገሊፅካ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣ ተነበ። እንሆ፥ ክሳዕ መዓልቲታት ከበባኻ እትውድእ፥ ካብ ሓደ ጐድኒ ናብ ካልእ ከይትግልበጥ፥ ብገመድ ክአስረካ እየ።

“ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ዳጉሻን ዓረስን ውሰድ፤ ኣብ ሓደ ዕትሮ ኣንብሮም እሞ ካብቶም እንጀራ ግበር። ብጐድንኻ ኣብ እትድቅሰለን መዓልቲታት—ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ—ብልዓዮ። እትበልዖ ብልዒ ብሚዛን መዚንካ—ኣብ መዓልቲ ኣስታ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ግራም—ኣብ ምዱብ ጊዜ ብልዓዮ። ማይ ድማ ብመጠን ተዓቒኑ ስተ—ኣብ መዓልቲ ኣስታ ፈረቓ ሊትሮ—ኣብ ምዱብ ጊዜ ስተ። ከም ቕጫ ስገም ጌርካ ኽትበልዕ ኢኻ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኵሉ ኸዓ ብፈርሲ ሰብ ጌርካ ሰንክቶ።” ኣቦና ድማ ከምዙይ በለ፦ “ከምኡ ድማ ደቂ እስራኤል ኣብ ማእኸል እቶም ዝሰጎም ኣህዛብ፥ እንጀራኦም ርኹስ ኮይኖም ክበልዑ እዮም።”

ሽዑ ኸምዙይ በልኩ፦ “ኣየ፥ ኦ ልዑል ኣቦ! ኣነ ንነፍሰይ ከቶ ኣየርኰስኩዋን። ካብ ንእስነተይ ክሳዕ ሕዚ ባዕሉ ዝሞተ ወይ ብኣራዊት ዝተበልዐ ሓደ እኳ ኣይበላዕኹን፥ ዘፀይፍ ስጋ ኸዓ ናብ ኣፈይ ኣይኣተወን።”

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለኒ፦ “እንሆ፥ ክንዲ ፈርሲ ሰብ ፈርሲ ላሕሚ ኽትጥቀም ፈቒደልካ ኣለኹ፤ ብእኡ ጌርካ ኸዓ እንጀራኻ ኣብስል።”

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለኒ፦ “ኦ ወዲ ሰብ፥ እንሆ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም በትሪ እንጀራ ክሰብር እየ። እንጀራ ብሚዛን እናተጨነቑ ክበልዑ፥ ማይ ድማ ብመጠን ብስምባደ ክሰትዩ እዮም፥ እንጀራን ማይን ክሳኣኑ እዮም እሞ። ንስንሳቶም ብፍርሓት እናተጠማመቱ፥ ብበደሎም ድማ ክማስኑ እዮም።”