ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምልክት እቲ ዝተበተነ ፀጕሪ

ንርእሱን ፅሕሙን ብሰይፊ ላፂዩ ነቲ ፀጕሪ ብሚዛን መቐሎ፥ ነፍሲ ወከፍ ሲሶ ኸም ናይታ ኸተማ ፍርዲ፥ ተነድደ፥ ተወቕዐ ወይ ተበተነ። ኣቦና ኸዓ ኢየሩሳሌም፥ እታ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝተነበረት፥ ካብኣቶም ኣብሊፃ ኸም ዝዓመፀት በለ።

ምዕራፍ 5።

“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝኾነ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ ኣብ ርእስኻ ኸዓ ኣብ ፅሕምኻ ኣሕልፋ። ደሓር ከዓ ሚዛን ወሲድካ ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ። እተን መዓልቲታት ከበባ ምስ ተወድአ፥ ነቲ ሲሶ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ። ነቲ ሲሶ ወሲድካ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ብሰይፊ ውቐዓዮ። ነቲ ሲሶ ድማ ናብ ንፋስ በትኖ፤ ኣነ ኸዓ ደድሕሪኦም ሰይፊ ክመዝዝ እየ። ካብኣቶም ከዓ ቑሩብ ወሲድካ ኣብ ጫፍ ክዳንካ እሰሮ። ካብዚኣቶም ከዓ ደጊምካ ቑሩብ ወሲድካ ናብ ሓዊ ደርቢኻ ኣብኡ ኣንድዶም። ካብኡ ድማ ሓዊ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ክላባዕ እዩ።”

ሉዓላዊ ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ እዛ ኢየሩሳሌም እዚኣ እያ። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንበርክዋ፥ ኣብ ዙርያኣ ድማ ሃገራት ኣለዋ። ንሳ ግና ካብ ኣህዛብ ዝገደደ ብኽፍኣት ኣብ ልዕሊ ፍርድታተይ ዓመፀት፤ ካብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ሃገራት ዝገደደ ድማ ኣብ ልዕሊ ስርዓታተይ ኣበሰት፤ ፍርድታተይ ነዒቖም ስርዓታተይ ኣይሰዓቡን እዮም እሞ።

ስለዙይ ሉዓላዊ ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ “ካብተን ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣህዛብ ዝገደደ ዓመፀኛ ስለ ዝኾንኪ፥ ስርዓታተይ ኣይሰዓብክን፥ ፍርድታተይውን ኣይሓሎኽን፥ ከምቲ ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣህዛብ ዝገብርዎ እኳ ኣይገበርክን፥ ስለዙይ ሉዓላዊ ኣቦ ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ኣብ ልዕሌኺ እየ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ከዓ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ክፍፅም እየ። ብሰንኪ ኵሉ ፀያፍኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ከቶ ገይረ ዘይፈልጥ፥ ደጊመ ድማ ዘይገብሮ ነገር ክገብር እየ። ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንደቆም ክበልዑ እዮም፥ ደቂ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም። ኣብ ልዕሌኺ ፍርዲ ክፍፅም እየ፥ ንዅሎም ዝተረፉ ኸዓ ናብ ኵሉ ንፋስ ክብትኖም እየ።’

“ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ብዅሉ ፀያፍኪን ርኹስ ግብርኺን ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ፥ ኣነ ባዕለይ ክእለየኪ እየ፤ ኣይምሕረክን፥ ኣይናሕስየልክንውን እየ” ይብል ሉዓላዊ ኣቦ። “ሲሶኺ ኣብ ማእኸልኪ ብመቕሰፍቲ ወይ ብጥሜት ክመውት እዩ፤ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ክወድቕ እዩ፤ ነቲ ሲሶ ኸዓ ናብ ኵሉ ንፋስ ክብትኖ እየ፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ሒዘ ድማ ከሳጕጎም እየ።

“ሽዑ ቍጥዓይ ክውዳእ እዩ፥ ኣብ ልዕሊኦም ዘለኒ መዓተይ ከዕግብ፥ ክፅናናዕውን እየ። መዓተይ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ወድኣኽዎ፥ ኣነ ኣቦኦም ብቕንኣተይ ከም ዝተዛረብኩ ክፈልጡ እዮም።

“ኣብ ማእኸል እተን ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣህዛብ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ዝሓልፉ ድማ፥ ዑናን ውርደትን ክገብረኪ እየ። ኣብ ልዕሌኺ ብቍጥዓን ብመዓትን ብነድሪ መግናሕቲን ፍርዲ ምስ ፈፀምኩ፥ ነተን ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣህዛብ፥ ውርደትን ባጫን መጠንቀቕታን መገረሚን ክትኮኒ ኢኺ። ኣነ ኣቦኺ ተዛሪበ ኣለኹ። ነቲ ንምጥፋእኪ ዝተላእኸ ዘጥፍእ ናይ ጥሜት ፍላፃታት ናባኺ ምስ ወርወርኩ፥ ጥሜት ክውስኸልኪ፥ ቀለብ መግብኺ ድማ ክቘርፅ እየ። ጥሜትን ኣራዊት በረኻን ናባኺ ክሰድድ እየ፥ ንሳቶም ድማ ውሉድ ኣልቦ ክገብሩኺ እዮም። መቕሰፍትን ደምን ኣብ ማእኸልኪ ክሓልፍ እዩ፥ ሰይፊ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ከምፅእ እየ። ኣነ ኣቦኺ ተዛሪበ ኣለኹ።”