ካብ ከውሒ ዝወፀ ማይ
ኣብ ራፊዲም እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ማይ ተባኣሱ፥ ንሙሴ ኸዓ ብእምኒ ክቐትልዎ ተዳለዉ፥ ኣቦና ኣብ መንጎኦም ኣሎ ወይ የለን እናበሉ ሓተቱ። ነቲ ኸውሒ ኽወቕዖ ተነግሮ፥ ማይ ድማ ወፀ። ሽዑ ኣማሌቅ መፀ፥ ኣሮንን ሁርን ነእዳው ሙሴ ኣብ ዘልዓሉሉ ጊዜ ጥራሕ ከዓ እስራኤል ይስዕሩ ነበሩ።
17 1ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞም ብዅሉ መንገዶም እናተጓዕዙ፥ ኣብ ራፊዲም ሰፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበረን። 2እቶም ህዝቢ ድማ ንሙሴ “ዝንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ተበኣስዎ። ሙሴ ኸዓ “ስለምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለምንታይከ ንኣቦና ትፍትኑ?” ኢሉ መለሰሎም።
3እቶም ህዝቢ ኣብኡ ማይ ፀምኦም፥ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኸዓ “ስለምንታይ ንዓናን ንደቅናን ንከብትናን ብፅምኢ ኽትቀትል፥ ካብ ግብፂ ኣውፂእካና?” ኢሎም ኣጕረምረሙ።
4ሙሴ ድማ ናብ ኣቦና ጠሪዑ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ እየ ዝገብሮ? ብእምኒ ክቐትሉኒ ቀሪቦም ኣለዉ” በለ።
5ኣቦና ኸዓ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ቀቅድሚ እቶም ህዝቢ ኪድ፤ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ምሳኻ ውሰድ፤ ነታ ነቲ ሩባ ዝወቐዕካላ በትሪ ኸዓ ብኢድካ ሒዝካ ኺድ። 6እንሆ ኣነ ኣብኡ ኣብ ኮሬብ ኣብ ልዕሊ እቲ ከውሒ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል እየ፤ ነቲ ከውሒ ውቕዓዮ፥ ማይ ድማ ካብኡ ወፂኡ እቶም ህዝቢ ኽሰትዩ እዮም” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዓበይቲ እስራኤል እናረአዩ ኸምኡ ገበረ።
7ነታ ቦታ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ስለ ዝተበኣሱ ንኣቦናውን ስለ ዝፈተንዎ፥ “ኣቦና ኣብ መንጎና ኣሎ ወይ የለን?” ኢሎም ስለ ዝሓተቱ፥ ማሳህን መሪባን ኢሉ ሰመያ። a a v7 ማሳህ ማለት “ምፍታን” ማለት እዩ፥ መሪባ ኸዓ “ምብኣስ” ማለት እዩ፤ እታ ቦታ፥ እቶም ህዝቢ ኣቦና ብሓቂ ምሳታቶም ከም ዘሎ ስለ ዝተጠራጠሩ እያ ተሰምያ።
ኣቦና ነቲ ውግእ ይዕወት
8ሽዑ ኣማሌቅ መፂኡ ኣብ ራፊዲም ምስ እስራኤል ተዋግአ። 9ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ሰባት ምረፀልና፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቅ ተዋጋእ፤ ፅባሕ ኣነ በትሪ ኣቦና ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ኰረብታ ደው ክብል እየ” በሎ። 10ኢያሱ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገይሩ ምስ ኣማሌቅ ተዋግአ፤ ሙሴን ኣሮንን ምስ ሁር ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኰረብታ ደየቡ። 11ሙሴ ኢዱ ኣብ ዝልዕለሉ ኵሉ፥ እስራኤል ይስዕሩ ነበሩ፤ ኢዱ ኣብ ዘውርደሉ ኵሉ ግና፥ ኣማሌቅ ይስዕሩ ነበሩ። 12ኣእዳው ሙሴ ኸዓ ኸበዳ እሞ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩሉ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጠ። ኣሮን ምስ ሁር ድማ ሓደ በሓደ ወገን ሓደ ኸዓ በቲ ኻልእ ወገን ኮይኖም ነእዳዉ ደገፍዎ፤ ስለዙይ ክሳዕ ፀሓይ ዝዓረበት ኣእዳዉ ቀዋማት ኮና። 13ኢያሱ ኸዓ ንኣማሌቅ ምስ ህዝቡ ብስሕለት ሴፍ ሳዓሮም።
14ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “እዙይ ንመዘከርታ ኣብ መፅሓፍ ፅሓፎ፥ ኣብ እዝኒ ኢያሱ ኸዓ ዓው ኢልካ ኣንብቦ፤ ኣነ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈፂመ ኽድምስሶ እየ።”
15ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰሪሑ፥ “ኣቦና ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ሰመዮ፤ b b v15 ሙሴ ነቲ መሰውኢ “ኣቦና ሰንደቕ ዕላማይ እዩ” ኢሉ ዝሰመዮ፥ እስራኤል ንኣማሌቅ ምስ ሰዓሮም እዩ፤ እዝ ዓወት እዙይ ከዓ ኣእዳዉ ናብ ኣቦና ኣልዒሉ እንተሎ ዝተረኸበ እዩ። 16“ኢድ ኣብ ዙፋን ኣቦና ኣላ እሞ፥ ንሱ ንውሉድ ወለዶ ምስ ኣማሌቅ ክዋጋእ እዩ” ድማ በለ። c c v16 “ኢድ ኣብ ልዕሊ ዙፋን” ማለት መሐላ ውግእ እዩ፤ ኣማሌቅ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኣቦና ቐዲሙ ስለ ዝወቐዐ፥ ንሱ ንዘለኣለም ክዋግኦም መሓለ።