ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣስቴር ምእንቲ ህዝባ ተማህለለት

ኣብቲ ኻልኣይ ድግስ ኣስቴር መወዳእታ ምእንቲ ህይወታን ህይወት ህዝባን ለመነት፥ ነቲ ዝሸጦም ሰብኣይ ድማ ሰመየቶ፦ ሃማን። ንጉስ ተቖጢዑ ብቝጥዓ ወፀ፤ ሃማን ኣብ ዓራታ ወዲቑ እናለመነ ከም ግፍዒ ተወስደ። ኣብቲ ናይ ባዕሉ ዕንፀይቲ ኸዓ ተሰቕለ።

ምዕራፍ 7።

ንጉስን ሃማንን ድማ ምስ ንግስቲ ኣስቴር ክሰትዩ መፁ። ንጉስ ድማ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ፥ ወይኒ እናሰተዩ እንተለዉ፥ ደጊሙ ንንግስቲ ኣስቴር ከምዙይ በላ፦ “እንታይ ኢኺ ትልምኒ፥ ኦ ንግስቲ ኣስቴር? ክወሃበኪ እዩ። እንታይከ ኢኺ ትደልዪ? ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እኳ እንተኾነ ክግበረልኪ እዩ።”

ንግስቲ ኣስቴር ድማ ከምዙይ ኢላ መለሰት፦ “ኦ ንጉስ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ እንተ ኾይነ፥ ንንጉስ ከዓ ደስ እንተ ኢሉዎ፥ ህይወተይ ከም ዝልምኖ ይወሃበኒ፤ ህዝበይ ከዓ ከም ጠለበይ ይወሃበኒ። ኣነን ህዝበይን ክንጠፍእ፥ ክንቅተል፥ ክንፀንት ተሸይጥና ኢና። ከም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ጥራሕ ተሸይጥና እንተ ንኸውን፥ ስቕ ምበልኩ ነይረ፤ ከምዙይ ዝበለ መከራ ግና ንጉስ ከሸግር ኣይምተገብአን ነይሩ።”

ሽዑ ንጉስ ኣሃሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር “እዝ ከምዙይ ክገብር ዝደፈረ መን እዩ? ኣበይከ ኣሎ?” በላ።

ኣስቴር ድማ “እቲ ተፃራርን ፀላኢን እዝ ክፉእ ሃማን እዩ!” በለት። ሃማን ከዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ተሸበረ።

ንጉስ ድማ ተቖጢዑ ኻብቲ ወይኒ ተሲኡ ናብ ገነት ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ሃማን ከዓ ንጉስ ከጥፍኦ ኸም ዝመደበ ስለ ዝረአየ፥ ምእንቲ ህይወቱ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ተረፈ። ንጉስ ድማ ካብ ገነት ቤተ መንግስቲ ናብ ኣዳራሽ መስተ ወይኒ ተመለሰ። ሃማን ከዓ ኣብቲ ኣስቴር ዝነበረቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ንጉስ ድማ “ኣነ ኣብዙይ እንተለኹ እኳ ንንግስቲ ክግፍዓ ድዩ?” በለ። እዝ ቃል እዙይ ካብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወፀ፥ እቶም ኣገልገልቲ ገፅ ሃማን ኸደንዎ። a a v8 ገፅ ናይ ዝተፈርደ ሰብ ምኽዳን፥ ዕድሉ ኸም ዝተዓፅወ፥ ከም ምዉት ከም ዝተቘፀረ ዘመልክት ጥንታዊ ምልክት ነበረ።

ሓርቦና፥ ካብ ጃንደረባታት ንጉስ ሓደ ዝኾነ፥ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ሃማን ነቲ ምእንቲ ንጉስ ዝተዛረበ መርዶካይ ዝገበረሉ፥ ዕስራን ሰለስተን ሜትር ዝቚመቱ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ቤት ሃማን ደው ኢሉ ኣሎ።” ንጉስ ድማ “ኣብኡ ስቐልዎ” በለ።

ስለዙይ ንሃማን ኣብቲ ንመርዶካይ ዘዳለዎ ዕንፀይቲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስ ድማ ሃዶአ።