ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣስቴርን መርዶክዮስን ተኸበሩ

ገንዘብ ሃማን ናብ ኣስቴር፥ ቀለበቱ ድማ ናብ መርዶክዮስ ከደ፥ እቲ ናይ ሞት ዓዋጅ ግና ክምለስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ካልኣይ ዓዋጅ ብፈረሳት ንጉስ ወፀ፦ ኣይሁድ ተኣኪቦም ህይወቶም ክከላኸሉ ይኽእሉ። መርዶክዮስ ድማ ብሰማያውን ወርቃውን ልብሲ መንግስቲ ወፀ፥ ሱሳ ኸዓ ዓለለት።

ምዕራፍ 8።

በታ መዓልቲ እቲኣ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነታ ንግስቲ ኣስቴር ገንዘብ ሃማን ፀላኢ ኣይሁድ ሃባ። መርዶክዮስ ድማ ኣስቴር ንሱ እንታይ ከም ዝኾና ስለ ዝነገረቶ፥ ናብ ቅድሚ እቲ ንጉስ መፀ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝመለሶ ቀለበቱ ኣውፂኡ፥ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ሃማን ሸመቶ።

ኣስቴር መሊሳ ነቲ ንጉስ ተዛረበቶ፤ ኣብ እግሩ ወዲቓ በኸየት፤ ነቲ ክፍኣት ሃማን ኣጋጋውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝሓሰበ ተንኰልን ከቋርፆ ለመነቶ። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ወርቃዊት በትሪ ናብ ኣስቴር ዘርግሐ፤ ኣስቴር ከዓ ተሲኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። ከምዙይ ድማ በለት፦ “ነቲ ንጉስ ደስ እንተ ኢልዎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሞገስ እንተ ረኺበ፥ እዝ ነገር እዙይ ቅኑዕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፥ ኣነ ኸዓ ደስ እንተ ኣቢለዮ፥ ነቲ ሃማን ወዲ ሃመዳታ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኵለን ኣውራጃታት እቲ ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝሓሰቦን ዝፀሓፎ መልእኽትታት ዝስርዝ መልእኽቲ ይፀሓፍ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝወርድ መከራ እናረአኹ፥ ከመይ ገይረ ክፅመም እኽእል? ዓሌተይ ክጠፍእ እናረአኹ ከዓ፥ ከመይ ገይረ ክፅመም እኽእል?”

ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ድማ ነታ ንግስቲ ኣስቴርን ንመርዶክዮስ ኣይሁዳውን ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ ንኣስቴር ቤት ሃማን ሃብክዋ፤ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ተንኰል ስለ ዝሓሰበ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቐልዎ። ንስኻትኩም ድማ ብስም እቲ ንጉስ ከም ዝደለኹም ብዛዕባ ኣይሁድ ፅሓፉ፤ በቲ ቀለበት እቲ ንጉስ ድማ ሕተምዎ፤ ብስም እቲ ንጉስ ተፃሒፉ በቲ ቀለበቱ ዝተሓተመ ፅሕፈት ክምለስ ኣይከኣልን እዩ እሞ።”

በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሳልሰይቲ ወርሒ፥ ንሳ ኸዓ ሲዋን እያ፥ ፀሓፍቲ እቲ ንጉስ ተፀውዑ፤ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፥ ንኣይሁድ ንሹመኛታትን ንመኳንንትን ንሓለቕቲ እተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኵሽ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ኣውራጃታት ተፀሓፈ፤ ንነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ በብፅሕፈታ፥ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ድማ በብቛንቋኡ፥ ንኣይሁድውን በብፅሕፈቶምን በብቛንቋኦምን ተፀሓፈ። መርዶክዮስ ድማ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ፀሓፈ፤ በቲ ቀለበት እቲ ንጉስ ሓተመ፤ መልእኽትታት ከዓ ብመልእኽተኛታት ኣቢሉ፥ ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ፥ ማለት ናይ ንጉስ ኣገልግሎት ኣብ ዝተዳለዉ ኣፍራስ ተወጢሖም፥ ሰደደ። በቲ ትእዛዝ እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ክእከቡን ነፍሶም ክከላኸሉን፥ ነቲ ዝወግኦም ኵሉ ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ህዝብን ኣውራጃን፥ ምስ ቈልዑን ኣንስትን ከጥፍኡን ክቐትሉን ክድምስሱን፥ ገንዘብ ፀላእቶም ድማ ክዘምቱን ተፈቕደሎም። እዙይ ድማ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፥ ብሓንቲ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ንሳ ኸዓ ኣዳር እያ፥ ክኸውን ነበሮ። ቅዳሕ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ኸም ሕጊ ኽውፅእን ንዅሎም ህዝብታት ክፍለጥን፥ ኣይሁድ ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ፀላእቶም ሕነ ኽፈድዩ ድሉዋት ክኾኑ ነበረ። እቶም መልእኽተኛታት ድማ ኣብ ናይ ንጉስ ኣፍራስ ተወጢሖም፥ ብትእዛዝ እቲ ንጉስ እናተቐላጠፉን እናተገደዱን ቀልጢፎም ወፁ፤ እቲ ትእዛዝ ከዓ ኣብ ዕርዲ ሱሳ ተውሃበ።

መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳ ንጉሳዊ ኽዳን፥ ዓብዪ ናይ ወርቂ ኣኽሊል፥ ብሃርን ወይናውን ዝተሰርሐ ባርኖስን ለቢሱ፥ ካብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ወፀ። እታ ኸተማ ሱሳ ኸዓ ዓለለትን ተሓጐሰትን። ንኣይሁድ ድማ ብርሃን ሓጐስን ደስታን ክብርን ኮነሎም። ትእዛዝን ኣዋጅ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃን ከተማን በፅሐ፤ ንኣይሁድ ከዓ ሓጐስን ደስታን፥ ምሳሕ በዓልን ኮነሎም። ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ድማ ፍርሓት ኣይሁድ ስለ ዝሓዞም፥ ብዙሓት ኣይሁድ ኮኑ።