ሰላምታ ንሰብ ተሰሎንቄ
ብዛዕባ መዓልቲ ጐይታ ዝተደናገረት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግእን ክፀንዑ ዝፅውዕን ካልኣይ መልእኽቲ።
1 1ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ብኣቦናን ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ተሰሎንቄ፦ 2ካብ ኣቦናን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ብዛዕባ ዝዓቢ ዘሎ እምነትኩም ምስጋና
3ኣቱም ኣሕዋት፥ እምነትኩም እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዘሎ፥ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ንሓድሕድ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፥ ኵልሻዕ ምእንታኹም ንኣቦና ከነመስግን ይግብአና፥ እዙይ ድማ ከምቲ ዝግባእ እዩ። 4ስለዙይ ንሕና ባዕልትና፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵሉ እቲ እትፆርዎ መስጐጕትን መከራን ዘለኩም ትዕግስትን እምነትን፥ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣቦና ብዛዕባኹም ንሕበን ኢና።
5እዙይ ከዓ ናይ ቅኑዕ ፍርዲ ኣቦና መረዳእታ እዩ፤ ንስኻትኩም ነታ ምእንታኣ መከራ እትቕበልዋ መንግስቲ ኣቦና፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትቝፀሩ እዩ። 6ኣቦና ቅኑዕ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘፅብቡኹም መከራ ክፈድዮም እዩ፥ 7ንኣኻትኩም እቶም ምሳና መከራ እትቕበሉ ድማ፥ ጐይታ ኢየሱስ ምስ ብርቱዓት መላእኽቱ ካብ ሰማይ ምስ ተገለፀ፥ ዕረፍቲ ክህበኩም እዩ፤ 8ኣብቶም ንኣቦና ዘይፈልጥዎን፥ ኣብቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ እናፈደየ፤ 9ንሳቶም ካብ ገፅ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፥ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት መቕፃዕቲ ክኽፍሉ እዮም፤ 10በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ ቅዱሳኑ ክኸብርን ኣብ መንጎ እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ ክድነቕን ምስ መፀ፥ እዙይ ክኸውን እዩ፤ ምስክርነትና ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ እሞ።
11ስለዙይ፥ ኣቦና ንፅውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኽቝፅረኩም፥ ነፍሲ ወከፍ ፅቡቕ ድልየትን ግብሪ እምነትን ድማ ብሓይሉ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኹም ንፅሊ ኣለና፤ 12ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም፥ ንስኻትኩም ድማ ብእኡ፥ ብፀጋ ኣቦናን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን ምእንቲ ክኸብር እዩ።