ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መዓልቲ ጐይታ ትመፅእ

እታ መዓልቲ ኸም ሰራቒ ትመፅእ፤ ንሳቶም ግና ብዛዕባኣ ኣብ ፀልማት ኣይኮኑን እሞ፥ ንቑሓትን ዓቃላትን ይኹኑ። እቲ መዛዘሚ ኸዓ ቅልጡፍ ዝርዝር እዩ፦ ንመራሕትኹም ኣኽብሩ፥ ንተስፋ ዝቘረፁ ኣፀናንዑ፥ ዓገስቲ ኩኑ፥ ተሓጐሱ፥ ፀልዩ፥ ኣመስግኑ፥ ንዅሉ ፈትንዎ፥ ነቲ ፅቡቕ ድማ ኣፅንዕዎ።

ምዕራፍ 5።

ብዛዕባ እቲ ዘመናትን እዋናትን ግና፥ ኣቱም ኣሕዋት፥ ዝፅሓፈልኩም ነገር ኣየድልየኩምን። መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ከም ሰራቒ ለይቲ ኸም እትመፅእ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም ኣፊልኩም ትፈልጡ ኢኹም። ሰባት “ሰላምን ህድኣትን” ኢሎም እንተለዉ፥ ከምቲ ንጥንስቲ ሰበይቲ ዝመፅእ ፃዕሪ ሕርሲ፥ ጥፍኣት ብድንገት ይመፆም፤ ከቶ ድማ ኣየምልጡን። ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋት፥ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ምእንቲ ኸይትርከበኩም፥ ኣብ ፀልማት ኣይኮንኩምን። ኵላትኩም ውሉድ ብርሃንን ውሉድ መዓልትን ኢኹም፤ ንሕና ኸዓ ናይ ለይቲ ወይ ናይ ፀልማት ኣይኮንናን። እምበኣርከስ፥ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ፤ ንንቃሕ ደኣ ዓቃላትውን ንኹን። እቲ ዝድቅስ ለይቲ እዩ ዝድቅስ፤ እቲ ዝሰኽር ከዓ ለይቲ እዩ ዝሰኽር። ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኢና እሞ፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ኣፍ ልቢ፥ ተስፋ ምድሓን ከዓ ኸም ቝራዕ ርእሲ ተኸዲንና፥ ዓቃላት ንኹን። ኣቦና ንምድሓን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይርና ክንረክብ ደኣ እምበር፥ ንቍጥዓ ኣይመደበናን እዩ እሞ፤ ነቒሕና ወይ ደቂስና፥ ምስኡ ብሓባር ምእንቲ ኽንነብር፥ ምእንታና ዝሞተ፤ ስለዙይ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፥ ንሓድሕድኩም ኣተባብዑ፤ ንሓድሕድኩም ድማ ሃንፁ።

ከም ውሉድ ብርሃን ምንባር

ኣቱም ኣሕዋት፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝፅዕሩ፥ ብጐይታ ዝመርሑኹምን ዝግስፁኹምን ከተኽብርዎም፥ ንልምነኩም ኣለና። ምእንቲ ስራሖም ብፍቕሪ የመና ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩም ድማ ብሰላም ንበሩ።

ኣቱም ኣሕዋት፥ ንህኩያት ገስፅዎም፥ ንተስፋ ዝቘረፁ ኣፀናንዑ፥ ንድኹማት ደግፉ፥ ንዅሉ ዓገስሉ፥ ኢልና ንምዕደኩም ኣለና። ሓደ እኳ ኽንዲ ክፉእ ክፉእ ከይፈዲ ተጠንቀቑ፤ ንሓድሕድኩም ኮነ ንዅሉ ግና ኵልሻዕ ፅቡቕ ስዓቡ።

ኵልሻዕ ተሓጐሱ፥ ብዘይምቍራፅ ፀልዩ፥ ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦና ብክርስቶስ ኢየሱስ ንኣኻትኩም እዩ እሞ። ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍእዎ። ንትንቢታት ኣይትንዓቕዎም፤ ንዅሉ ግና ፈትንዎ፤ ነቲ ፅቡቕ ኣፅንዕዎ። ካብ ኵሉ ዓይነት ክፉእ ርሓቑ።

ኣቦና ናይ ሰላም ባዕሉ ፈፂሙ ይቀድሰኩም፤ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹም ከዓ ኣብ ምምፃእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነውሪ ዘይብሉ ኾይኑ ይተሓሎ። እቲ ዝፅውዓኩም እሙን እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብርግፅ ክገብሮ እዩ።

ኣቱም ኣሕዋት፥ ምእንታና ፀልዩ።

ንዅሎም ኣሕዋት ብቅድስቲ ስዕመት ሰላም በልዎም። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ አምሕለኩም ኣለኹ።

ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።