ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣውያት ዳዊት ንምድሓን

ሽጋዮን ዳዊት፥ ብዛዕባ ኵሽ ብንያማዊ ናብ ኣቦና ዝዘመሮ።

ዳዊት ብኩሽ እቲ ብንያማዊ ተኸሲሱ ማሕላ ይምሕል፦ ንፈታዊኡ ክፉእ እንተ ፈዲዩ፥ ፀላኢኡ ኣብ ሓመድ ይረግፆ። ንኣቦኡ፥ እቲ ልቢ ዝምርምር ፈራዲ ክገብር ይልምን፥ ገፋዕቲ ኸዓ ናብቲ ዝዅዓትዎ ጕድጓድ ክወድቁ ይርኢ።

ምዕራፍ 7።

ኦ ኣቦይ፥ ብኣኻ እዕቆብ ኣለኹ፤ ካብ ኵሎም ዝሰጉኒ ኣድሕነኒ፥ ኣናግፈኒ ድማ፥ ከም ኣንበሳ ከይቕዳዳኒ፥ ዘናግፍ ዜብሉ እናበጣጠሰኒ ከየጥፍኣኒ። ኦ ኣቦይ፥ እዙይ እንተ ጊረ፥ ኣብ ኣእዳወይ ዓመፅ እንተሎ፥ ነቲ ፈታዊየይ ክፉእ እንተ ፈደኽዎ፥ ወይ ንፀላኢየይ ብኸንቱ እንተ ዘሚተዮ፥ ሽዑ እቲ ፀላኢ ይስጐኒ የርክበኒውን፥ ህይወተይ ናብ ምድሪ ይረግፃ፥ ክብረይ ከዓ ኣብ ሓመድ የንብሮ።

ኦ ኣቦይ፥ ብኹራኻ ተስእ፤ ኣብ ቍጥዓ ፀላእተይ ልዓል፤ ንዓይ ንቃሕ፤ ፍርዲ ኣዚዝካ ኢኻ። ጉባኤ ኣህዛብ ኣብ ዙርያኻ ይተኣከብ፤ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ላዕሊ ተቐመጥ። ኣቦና ንኣህዛብ ይፈርድ። ኦ ኣቦይ፥ ከም ፅድቀይን ከምቲ ኣባይ ዘሎ ቕንዕናን ብይነለይ። ክፍኣት ሓጥኣን ኣብቅዖ፤ ንፃድቕ ግና ደግፍ፤ ኦ ፃድቕ ኣቦ፥ ንስኻ ልብን ኵላሊትን እትምርምር ኢኻ። ዋልታይ ኣቦይ እዩ፥ ነቶም ልቦም ቅኑዕ ዘድሕን። ኣቦና ፃድቕ ፈራዲ እዩ፥ ኵሉ መዓልቲ ዝቝጣዕ ኣምላኽ እዩ። ሰብ እንተ ዘይተነስሐ፥ ኣቦና ሰይፉ ክስሕል እዩ፤ ቀስቱ ገቲሩ ኣዳልይዎ እዩ። ዝቐትል ኣፅዋሩ ኣዳልዩ እዩ፤ ፍላፃታቱ ዝነደዱ ይገብሮም። እንሆ እቲ ረሲእ ክፍኣት ጠኒሱ፤ ሽግር ተፀይሩ ሓሶት ይወልድ። ጕድጓድ ኰዓተ ኣዕሚቚዎውን፤ ናብቲ ዝሰርሖ ጕድጓድ ግና ይወድቕ። ሽግሩ ናብ ርእሱ ይምለስ፤ ዓመፁ ከዓ ናብ ናላኡ ይወርድ። ስለ ፅድቁ ንኣቦይ ከመስግኖ እየ፤ ንስም ኣቦይ እቲ ልዑል ከዓ እዝምር።