ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣውያት ዳዊት ኣብ ፀልማት

ንመዘምራን ኣውራ፥ ብመሰንቆታት፥ ከም ሰሚኒት። መዝሙር ዳዊት።

ዳዊት ሓሚሙ ብፍርሓት እናተንቀጥቀጠ፥ ምሉእ ለይቲ ንዓራቱ ብንብዓቱ ብምፅላቕ ደኺሙ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢሉ ይሓትት። ምዉታት ከምስግኑ ከም ዘይኽእሉ ይማጎት። ድሕሪኡ እቲ ፀሎት ይጥምዘዝ፦ ኣቦኡ ብኽያቱ ሰሚዑ እዩ፥ ንፀላእቱ ኸዓ የባርሮም።

ምዕራፍ 6።

ኦ ኣቦይ፥ ብዂራኻ ኣይትገስፀኒ፤ ብቍጥዓኻ ድማ ኣይትቕፅዐኒ። ኦ ኣቦይ፥ ደኺመ እየሞ መሓረኒ፤ ኦ ኣቦይ፥ ኣዕፅምተይ ብፍርሓት ይርዕዳ ኣለዋሞ ኣሕውየኒ።

ነፍሰይ ብፍርሓት ትርዕድ ኣላ። ንስኻ ግና ኦ ኣቦይ፥ ክሳዕ መኣዝ? ኦ ኣቦይ፥ ናባይ ተመለስ፤ ንነፍሰይ ኣናግፋ። ስለ ምሕረትካ ኢልካ ኣድሕነኒ።

ኣብ ሞት ዝኽረኻ የለንሞ፤ ኣብ መቓብር መን ኬመስግነካ እዩ?

ብቝዛሜይ ደኺመ ኣለኹ። ምሉእ ለይቲ ንዓራተይ ብንብዓተይ የፅልቕሎ፤ ብብኽያተይ ድማ መንጸፈይ የርስኖ።

ኣዒንተይ ካብ ሓዘን ሃሲሰን፤ ስለ ኵሎም ፀላእተይ ድማ ደኺመን። ኣቱም ኵላትኩም ገበርቲ እከይ፥ ካባይ ርሓቑ፤ ኣቦይ ድምፂ ብኽያተይ ሰሚዑ እዩሞ። ኣቦይ ምህለላይ ሰሚዑ እዩ፤ ኣቦይ ፀሎተይ ይቕበሎ። ኵሎም ፀላእተይ ክሓፍሩን ብፍርሓት ክርዕዱን እዮም፤ ድሕር ኢሎም ተመሊሶም ብድንገት ክሓፍሩ እዮም።