ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ስምካ ኽንደይ ክቡር እዩ

ንመራሕ ዜማ፤ ብጊቲት። መዝሙር ዳዊት።

እቲ ዘማሪ ናብ ሰማይ ለይቲ እናጠመተ፥ እቲ ገባሪ ወርሕን ከዋኽብትን ስለ ምንታይ ንኸምዙይ ዝበሉ ንኣሽቱ ፍጡራት ዝዝክሮም ይሓትት። እቲ መልሲ ሰብ ዓብዪ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ ኣቦና ብኽብሪ ስለ ዝኸለሎም፥ ግብሪ ኢዱውን ስለ ዘረከቦም እዩ።

ምዕራፍ 8።

ኦ ጐይታ ኣቦና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ክቡር እዩ! ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ገበርካ። ካብ ኣፍ ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን፥ ስለ ፀላእትኻ፥ ነቲ ፀላኢን ነቲ ፈዳዪ ሕነን ስቕ ንምባል፥ ሓይሊ ኣፅናዕካ። ናብ ሰማይካ እንትምልከት፥ ናብ ግብሪ ኣፃብዕትኻ፥ ናብ ወርሕን ከዋኽብትን እቲ ዘዳለኻዮም፥ ሰብ እትዝክሮ እንታይ እዩ፥ ወዲ ሰብከ እትግደሰሉ እንታይ እዩ? a a v4 ፀሓፊ መፅሓፍ እብራውያን ነዝ ቃላት እዚ ንኢየሱስ የውዕሎም — እቲ ንቕሩብ ጊዜ ካብ መላእኽቲ ትሕት ዝበለ፥ ደሓር ከዓ ብኽብርን ግርማን ዝተኸለለ ወዲ ሰብ (እብራውያን 2፥6-9)። ካብ መላእኽቲ ቁሩብ ኣትሒትካዮ፥ ብኽብርን ግርማን ድማ ከለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኣግዛእካዮ፤ ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ገበርካ፦ ኵሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ኣራዊት በረኻ ድማ፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ዓሳ ባሕርን፥ ኣብ መንገዲ ባሕርታት ዝሓልፍ ኵሉ። ኦ ጐይታ ኣቦና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ክቡር እዩ!