ብምሉእ ልበይ ናባኻ
ንመራሕ ዜማ፤ ከም ሙት-ለቤን፤ መዝሙር ዳዊት።
ምስጋና ስለ ፍሉይ ምድሓን፦ ፀላእቲ ንድሕሪት ተመሊሶም፥ ከተማታቶም ተነቒለን፥ ስሞም ከዓ ተደምሲሱ። ኣቦና ከም ፃድቕ ፈራዲ፥ ነቶም ግፉዓት ድማ ከም ዕርዲ ኮይኑ ተቐሚጡ ኣሎ። ዳዊት ኣህዛብ መዋቲ ሰብ ጥራሕ ምዃኖም ምእንቲ ኽዝክሩ፥ ዳግም ክትስእ ይልምኖ።
9 1ኦ ኣቦይ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ፤ ኵሉ ዘደንቕ ግብርታትካ ድማ ክነግር እየ።
2ብኣኻ እሕጐስ፤ ባህ ድማ ይብለኒ፤ ኦ ልዑል፥ ንስምካ እዝምር።
3ፀላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመለሱ፥ ኣብ ቅድሜኻ ይዕንቀፉን ይጠፍኡን። 4ንስኻ ፍትሐይን ፍርደይ ኣፅኒዕካለይ ኢኻ እሞ፤ ከም ፃድቕ ፈራዲ ኾይንካ ኣብ ዙፋን ተቐሚጥካ። 5ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንሓጥኣን ኣጥፋእኻዮም፤ ስሞም ንዘለኣለመ ኣለም ደምሰስካ። 6እቲ ፀላኢ ተወዲኡ፥ ንዘለኣለም ዑና ኾይኑ፤ ንኸተማታቶም ነቐልካየን፤ መዘከርታኦም ከዓ ጠፍአ።
7ኣቦና ግና ንዘለኣለም ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኣሎ፤ ዙፋኑ ንፍርዲ ኣዳለወ። 8ንዓለም ብፅድቂ ይፈርድ፤ ንህዝብታት ድማ ብፍትሒ ይገዝኦም። 9ኣቦና ነቶም ግፉዓት መዕቘቢ፥ ብጊዜ መከራ ድማ ዕርዲ እዩ። 10ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይኣምኑ፤ ኦ ኣቦና፥ ነቶም ዝደልዩኻ ከቶ ኣይሓደግካዮምን ኢኻ እሞ።
11ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር ኣቦና ዘምሩሉ! ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውጁ! 12እቲ ሕነ ደም ዝፈዲ ነቶም ዝተጨነቑ ይዝክሮም እዩ እሞ፤ ኣውያቶም ከዓ ኣይርስዕን እዩ።
13ኦ ኣቦይ፥ መሓረኒ! ካብ እቶም ዝፀልኡኒ ዝወርደኒ መከራ ርአ፥ ኣታ ካብ ደጌታት ሞት እተልዕለኒ፥ 14ኵሉ ምስጋናኻ ኣብ ደጌታት ጓል ፅዮን ምእንቲ ኽነግር፥ ብምድሓንካ ድማ ክሕጐስ።
15ኣህዛብ ናብቲ ዝገበርዎ ጕድጓድ ጠሓሉ፤ ኣእጋሮም በቲ ዝሓብእዎ መርበብ ተታሕዛ። 16ኣቦና ባዕሉ ተፈለጠ፤ ፍርዲ ገበረ፤ እቲ ሓጥእ በቲ ናይ ባዕሉ ኢድ ግብሪ ተታሕዘ። ሂጋኦን። a a v16 ሂጋኦን ናይ ሙዚቃ ወይ ናይ ኣስተንትኖ ምልክት እዩ፦ ምናልባት ኣብቲ ሕዚ ዝተዘመረ ደው ኢልካ ኽትሓስብ ዝፅውዕ ኢዩ።
17ሓጥኣን፥ እቶም ንኣቦና ዝርስዑ ኵሎም ኣህዛብ፥ ናብ ሲኦል ይምለሱ። 18ፅጉም ኵልሻዕ ኣይርሳዕን እዩ እሞ፤ ተስፋ ዝተጨነቑ ድማ ንዘለኣለም ኣይጠፍእን እዩ።
19ኦ ኣቦና፥ ተስእ! መዋቲ ሰብ ኣይስዓር፤ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ። 20ኦ ኣቦና፥ ብፍርሓት ውቕዓዮም፤ ኣህዛብ መዋቲ ሰብ ጥራሕ ምዃኖም ይፍለጡ።