ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን
ንመራሒ ዜማ፥ ከም ማሓላት። ናይ ዳዊት መዝሙር ጥበብ።
ምስ መዝሙር 14 ኣዝዩ ዝመሳሰል። ኣቦና ንዅሉ ወዲ ሰብ ዝርኢ፥ ዘስተውዕል ሓደ ሰብ ይደሊ፥ ሓደ እኳ ግና ኣይረክብን። እቶም ንህዝቡ ዝበልዑ፥ ዝፍራሕ ኣብ ዘይብሉ ብፍርሓት ይተሓዙ። ምድሓን ካብ ፅዮን እናተናፈቐ ይውዳእ።
ምዕራፍ 53።
53 1እቲ ዓሻ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል። ተበላሽዮም፥ ፍንፉን ዓመፅ ይገብሩ፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
2ኣቦና ዘስተውዓለ ኣሎ እንተ ኾይኑ፥ ንእኡ ዝደሊ ኣሎ እንተ ኾይኑ ኽርኢ፥ ካብ ሰማይ ናብ ኵሉ ወዲ ሰብ ጠመተ። 3ኵሎም ኣግሊሶም እዮም፤ ብሓባር ተበላሽዮም እዮም፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
4እቶም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ፥ ንኣቦናውን ዘይፅውዑ፥ እቶም ገበርቲ እከይ ፍልጠት የብሎምን ድዩ? 5ኣብኡ ዝፍራሕ ኣብ ዘይብሉ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓዞም፤ ኣቦና ነዕፅምቲ እቲ ዝኸበበካ በተኖም እዩ እሞ፤ ኣቦና ንዒቑዎም እዩሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
6ዎ፥ ምድሓን እስራኤል ካብ ፅዮን ምወፀ! ኣቦና ንምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ይተሓጐስ፥ እስራኤል ይሕጐስ።