ስቕ ዝበለ ዳዊት
ንመዘምራን ሓለቓ፥ ንየዱቱን። መዝሙር ዳዊት።
ዳዊት እቶም ሓጥኣን እናረአዩ ዋላ ሓንቲ ኸይዛረብ ፈተነ፥ እቲ ስቕታ ድማ ነቲ ቃንዛ ኽሳዕ ዝፍንጀር ኣጋደዶ። እቲ ዝወፅእ፥ ኣቦኡ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ሓፃር ምዃኑ ኸርእዮ — ቍሩብ ስድሪ፥ ሓደ ትንፋስ — ከይከደ ኸዓ ራህዋ ክረክብ ዝብል ልማኖ እዩ።
39 1ከምዙይ በልኩ፦ “ብልሳነይ ሓጢኣት ከይገብር፥ መንገድታተይ ክሕሉ እየ፤ ሓጢኣተኛታት ኣብ ጥቓይ እንተለዉ፥ ኣብ ኣፈይ ልጓም ክገብር እየ።” 2በሃም ኮይነ ስቕ በልኩ፤ ካብ ፅቡቕ ነገር እኳ ስቕ በልኩ፤ ቃንዛይ ከዓ እናገደደ ኸደ። 3ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፤ ብዛዕባኡ እንተ ሓሰብኩ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ነደደ፤ ሽዑ ተዛረብኩ፦ 4መወዳእታይ ኣርእየኒ፥ ኦ ኣቦይ፥ መጠን መዓልቲታተይ ከዓ ክንደይ ምዃኑ፤ ክሳዕ ክንደይ ሓላፊ ምዃነይ ኣፍልጠኒ።
5እንሆ፥ ንመዓልቲታተይ ቍሩብ ስድሪ ጥራሕ ገበርካየን፤ ዕድመይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ከንቱ እዩ። ብሓቂ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራሕ እዩ። 6ብሓቂ ኵሉ ሰብ ከም ፅላሎት ይመላለስ፤ ብሓቂ ኵሉ ህውከቶም ንኸንቱ እዩ፤ ሃብቲ ይዅምር፤ መን ከም ዝእክቦ ድማ ኣይፈልጥን እዩ። 7ሕዚኸ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንምንታይ እፅበ ኣለኹ? ኣባኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ። 8ካብ ኵሉ ምትሕልላፈይ ኣናግፈኒ፤ ናይ ዓሻ መላገፂ ኣይትግበረኒ። 9በሃም ኮይነ ኣለኹ፤ ኣፈይ ኣይከፍትን፤ እዙይ ዝገበርካዮ ንስኻ ኢኻ እሞ። 10መቕፃዕትኻ ካባይ ኣርሕቕ፤ ብውቕዓ ኢድካ ጠፊአ ኣለኹ።
11ብተግሳፅ ንሰብ ብሓጢኣቱ ትቐፅዖ፤ ነቲ ዝምነዮ ከም ብልዕ ተጥፍኦ፤ ብሓቂ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራሕ እዩ። 12ፀሎተይ ስማዕ፥ ኦ ኣቦይ፥ ኣውያተይ ከዓ ኣፅምዕ፤ ንብዓተይ ስቕ ኢልካ ኣይትሕለፍ፤ ምሳኻ ስደተኛ ጥራሕ፥ ከም ኵሎም ኣቦታተይ ጋሻ እየ እሞ። 13ገፅካ ካባይ ምለስ፥ ከይከድኩን ዘይርከብን ከሎኹ፥ መሊሰ ክሕጐስ።