ካብ ጭቃ ዝተልዓለ
ንመራሕ ዜማ። መዝሙር ዳዊት።
ብዝተዋህበ ምድሓን ይኸፍት፦ ካብ ጭቃ ተልዒሉ፥ ኣእጋሩ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ፥ ሓድሽ መዝሙር። ሽዑ ናብ ቅድሚት ይምለስ፥ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ ይድለ እዩ እሞ — ገና ኣብ መከራ፥ ካብ ቍፅሪ ንላዕሊ ሓጢኣት እናሃለዎ፥ ኣቦኡ ክቕልጥፍ እናለመነ ይውዳእ።
40 1ንኣቦና ብትዕግስቲ ተፀቤኽዎ፤ ናባይ ከዓ ግልፅ ኢሉ ጥርዐይ ሰምዐ። 2ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ፀፊፍ ጭቃ ኣልዓለኒ፤ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቖመ፥ ስጕምተይ ኣፅንዐ።
3ሓድሽ መዝሙር፥ ንኣቦና ዝኸውን ናይ ምስጋና መዝሙር ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት ርእዮም ክፈርሑ እዮም፥ ብኣቦናውን ክእመኑ እዮም። 4ንኣቦና ትውክልቱ ዝገብር፥ ናብ ዕቡያት፥ ናብቶም ደድሕሪ ሓሶት ዝስዕቡ ዘይምለስ ሰብ ብፁእ እዩ።
5ኦ ኣቦይ፥ እቲ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፥ ናባና ዘሎ ሓሳባትካውን ብዙሕ እዩ፤ ዝመዓራረየካ የለን። ተዛሪበ ክነግሮ እንተ ዝብል፥ ካብ ዝቝፀር ንላዕሊ ብዙሓት እዮም። 6መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፥ ንስኻ ግና ኣእዛነይ ከፈትካለይ። ዚሑር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን። 7ሽዑ ኣነ ከምዙይ በልኩ፦ “እንሆ መፂአ ኣለኹ፤ ኣብ ጥቕሊ መፅሓፍ ብዛዕባይ ተፀሒፉ ኣሎ።”
8ኦ ኣቦይ፥ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ፤ ሕግኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ። 9ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ብስራት ፅድቂ ኣበስርኩ፤ ኦ ኣቦይ፥ ንስኻ ኸም እትፈልጥ፥ ከናፍረይ ኣይዓፀኽዎን።
10ፅድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሓባእኽዎን፤ ብዛዕባ ሓቅነትካን ምድሓንካን ተዛረብኩ። ምሕረትካን ሓቅኻ ካብ ዓብዪ ጉባኤ ኣይኸወልኩን። 11ኦ ኣቦይ፥ ርህራሄኻ ኣይትኽልኣኒ፤ ምሕረትካን ሓቅኻ ኵልሻዕ ይሓልዉኒ።
12ዘይቝፀር መከራ ኸቢቡኒ እዩ እሞ፤ ሓጢኣተይ ረኸቡኒ፥ ክርኢ ኣይከኣልኩን። ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዚሖም፥ ልበይውን ሓደገኒ። 13ኦ ኣቦይ፥ በጃኻ ኣናግፈኒ፤ ኦ ኣቦይ፥ ቀልጢፍካ ርዳኣኒ። 14ህይወተይ ክወስዱ ዝደልዩ ዅሎም ይሕፈሩን ይተዋረዱን፤ ጥፍኣተይ ዝደልዩ ብውርደት ንድሕሪት ይመለሱ።
15እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዝብሉኒ፥ በቲ ሕፍረቶም ይስደምሙ። 16ኵሎም እቶም ዝደልዩኻ ግና ብኣኻ ይተሓጐሱን ደስ ይበሎም፤ እቶም ምድሓንካ ዘፍቅሩ ኵልሻዕ “ኣቦና ዓብዪ እዩ!” ይበሉ። 17ኣነስ ድኻን ፅጉምን እየ፤ ጐይታ ኣቦ ይሕሰበለይ። ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፤ ኦ ኣቦይ፥ ኣይትደንጒ።