ዝደንጐየ ተስፋን ዝተፈፀመ ትምኒትን
ገንዘብን ትምኒትን ኣብኡ ይውሕዝ፥ ካብ ሓንቲ እኳ እናዘይብሉ ሃብታም ምምሳል ክሳዕ ብተንኰል ዝጎድል ሃብትን ቀስ ብቐስ እናተኣከበ ዝዓቢ ገንዘብን። ናይ ምፅባይ ቃንዛ ድማ ይሰምዮ፥ ዝደንጎየ ተስፋ ንልቢ የሕምሞ እዩ እሞ። ብፆት የገድሱ፦ ምስ ጠቢባን ተመላለስ ጠቢብ ከዓ ኩን።
13 1ጥበበኛ ወዲ ምዕዶ ኣቦኡ ይሰምዕ፤ መላገፂ ግና ተግሳፅ ኣይሰምዕን። 2ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ፅቡቕ ነገር ይበልዕ፤ ትምኒት ከዳዓት ግና ዓመፅ እዩ። 3ኣፉ ዝሕሉ ነፍሱ ይዕቅብ፤ ከናፍሩ ኣግፊሑ ዝኸፍት ግና ናብ ጥፍኣት ይመፅእ። 4ህኩይ ሰብ ይምነ፥ ገለ ግና ኣይረክብን፤ ትምኒት ትጉህ ግና ብብዝሒ ይፀግብ። 5ፃድቕ ሓሶት ይፀልእ፤ ረሲእ ግና ነውርን ውርደትን የምፅእ። 6ፅድቂ ነቲ መንገዱ ፍፁም ዝኾነ ይሕልዎ፤ ዓመፅ ግና ንሓጥእ ይግልብጦ። 7ሓብታም ዝመስል ሰብ ኣሎ፥ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ፤ ድኻ ዝመስል ከዓ ኣሎ፥ ብዙሕ ሃብቲ ዘለዎ። 8ሃብቲ ሰብ ንነፍሱ ቤዛ ይኸውን፤ ድኻ ግና ምፍርራሕ ኣይሰምዕን። 9ብርሃን ፃድቃን ብሓጐስ የብርህ፤ መብራህቲ ረሲኣን ግና ክጠፍእ እዩ። 10ትዕቢት ባእሲ ጥራሕ እዩ ዘውልድ፤ ጥበብ ግና ምስቶም ዝማኸሩ እያ። 11ብተንኰል ዝተረኽበ ሃብቲ ይጐድል፤ ቀስ ብቐስ ዝእክብ ግና የዕብዮ። 12ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕምሞ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ። 13ነቲ ቃል ዝንዕቕ ኣብ ርእሱ ጥፍኣት የምፅእ፤ ነቲ ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ዓስቢ ክረክብ እዩ። 14ትምህርቲ ጠቢባን ዒላ ህይወት እዩ፥ ንሰብ ካብ መፈንጠሪታት ሞት የርሕቆ። 15ፅቡቕ ልቦና ሞገስ የምፅእ፤ መንገዲ ከዳዓት ግና ጥፍኣቶም እዩ። 16ኵሉ ለባም ሰብ ብፍልጠቱ ይገብር፤ ዓሻ ግና ዕሽነቱ ይቕልዕ። 17ክፉእ ልኡኽ ናብ ሽግር ይወድቕ፤ እሙን ልኡኽ ግና ፈውሲ የምፅእ። 18ድኽነትን ውርደትን ናብቲ ተግሳፅ ዝንዕቕ ይመፅእ፤ ነቲ ተግሳፅ ዝሰምዕ ግና ይኸብር። 19ዝተፈፀመ ትምኒት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፤ ካብ ክፉእ ምርሓቕ ግና ንዓያሹ ፅዩፍ እዩ። 20ምስ ጠቢባን ዝኸይድ ጠቢብ ይኸውን፤ ብፃይ ዓያሹ ግና ጉድኣት ይረክብ። 21መዓት ንሓጥእ ይስዕቦ፤ ንፃድቕ ግና ፅቡቅ ይፍደዮ። 22ሰናይ ሰብ ንደቂ ደቁ ርስቲ የውርሶም፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ተዓቒሩ ኣሎ። 23ዘይተሓርሰ ግራት ድኻ ብዙሕ ምግቢ ምሃበ ነይሩ፥ ብሰንኪ ስእነት ፍትሒ ግና ይፅረግ። 24በትሩ ዝኸልእ ንወዱ ይፀልእ፤ ዘፍቅሮ ግና ተጊሁ ይቐፅዖ። 25ፃድቕ ክሳዕ ዝፀግብ ይበልዕ፤ ከብዲ ረሲኣን ግና ይጠሚ።