ዘይሕሰብ ቃላትን ዝፍውስ ልሳንን
መብዛሕትኡ ብዛዕባ ስራሕን ዘረባን ካልኦት ሰባት ዝርእይዎን እዩ። ትግህቲ ኢድ ትገዝእ፥ ሃኬት ግና ናብ ግዱድ ባርነት ተብፅሕ፤ ዘይሕሰብ ቃላት ይወግእ፥ ሓሳዊ ልሳን ድማ ንቕፅበት ዓይኒ ጥራሕ ይፀንሕ። ኣብ መንጎኦም ሓንቲ ህድእቲ መስመር፦ ጭንቀት ንልቢ የኽብዶ፥ ሕያዋይ ቃል ግና የልዕሎ።
12 1እቲ ተግሳፅ ዘፍቅር ፍልጠት የፍቅር፥ እቲ ተግሳፅ ዝፀልኦ ግና ዘይለባም እዩ። 2ሕያዋይ ሰብ ካብ ኣቦና ፀጋ ይረክብ፥ ነቲ ክፉእ ዝሓስብ ሰብ ግና ይዅንኖ። 3ሰብ ብክፍኣት ኣይፀንዕን፥ ሱር ፃድቃን ግና ከቶ ኣይናወፅን። 4ሰናይ ጠባይ ዘለዋ ሰበይቲ ኣኽሊል ሰብኣያ እያ፥ እተሕፍር ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ከም ብስብሳ እያ። 5ሓሳባት ፃድቃን ቅኑዕ እዩ፥ ምኽሪ ረሲኣን ግና ተንኰል እዩ። 6ቃላት ረሲኣን ደም ንምፍሳስ የድቡ፥ ዘረባ ቅኑዓት ግና ነቶም ንፁሃት የድሕኖም። 7ረሲኣን ተገልቢጦም ይጠፍኡ፥ ቤት ፃድቃን ግና ትፀንዕ። 8ሰብ ከከም ጥበቡ ይንኣድ፥ ዝተዛብዐ ልቢ ዘለዎ ግና ይንዓቕ። 9ትሑት ኮይንካ ግዙእ ምውናን፥ ዓብዪ ኽትመስል ጠሚኻ ኻብ ምንባር ይሓይሽ። 10ፃድቕ ድላይ እንስሳኡ ይሓሊ፥ ራህራሀ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ። 11ምድሩ ዝሓርስ እንጀራ ይፀግብ፥ ከንቱ ነገር ዝስዕብ ግና ኣእምሮ የብሉን። 12ረሲኣን ምርኮ እኩያት ይምነዩ፥ ሱር ፃድቃን ግና ፍረ ይህብ። 13ክፉእ ሰብ ብክፉእ ዘረባ ኸናፍሩ ይጥለፍ፥ ፃድቕ ግና ካብ ፀበባ የምልጥ። 14ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ሰናይ ነገር ይፀግብ፥ ግብሪ ኣእዳዉ ድማ ተመሊሱ ይፈድዮ። 15መንገዲ ዓሻ ኣብ ዓይኑ ቅኑዕ ይመስል፥ ጠቢብ ግና ምኽሪ ይሰምዕ። 16ዓሻ ቝጥዓኡ ብኡ ንብኡ የርኢ፥ ለባም ግና ፀርፊ ይሽፍን። 17ሓቂ ዝዛረብ ቅኑዕ ምስክር ይህብ፥ ሓሶተኛ ምስክር ግና ሓሶት ይዛረብ። 18ዘይሕሰብ ቃላት ከም ሰይፊ ይወግእ፥ ልሳን ጠቢባን ግና ፈውሲ የምፅእ። 19ናይ ሓቂ ኸናፍር ንዘለኣለም ይፀንሓ፥ ናይ ሓሶት ልሳን ግና ንቕፅበት ዓይኒ ጥራሕ እያ። 20ኣብ ልቢ እቶም ክፉእ ዝሓስቡ ተንኰል ኣሎ፥ ሓጎስ ግና ናይቶም ሰላም ዝገብሩ እዩ። 21ንፃድቕ ጉድኣት ኣይረኽቦን፥ ረሲኣን ግና ብመከራ ይመልኡ። 22ናይ ሓሶት ኸናፍር ኣብ ኣቦና ርኹስ እዩ፥ እቶም ብሓቂ ዝገብሩ ግና ባህ የብልዎ። 23ለባም ፍልጠት ይሓብእ፥ ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውፅእ። 24ትግህቲ ኢድ ክትገዝእ እያ፥ ሃኬት ግና ናብ ባርነት ተብፅሕ። 25ጭንቀት ንልቢ የኽብዶ፥ ሕያዋይ ቃል ግና የሐጕሶ። 26ፃድቕ ንብፃዩ ይመርሕ፥ መንገዲ ረሲኣን ግና የስሕቶም። 27ሃካይ ዝሃደኖ ኣይጠብስን፥ ትጉህ ግና ንጥሪቱ የኽብር። 28ኣብ መንገዲ ፅድቂ ህይወት ኣሎ፥ ኣብታ መንገዲ እቲኣ ድማ ሞት የለን።