ልክዕ ሚዛን ባህ የብሎ
ሚዛንን ልግስን ሰናይ ስምን ይዓብሉ። እቲ ምዕራፍ ከም ክሳራ ዝመስል ክሳራ ከም ዘይኮነ ይደጋግም፥ ብልግሲ እናሃበ እናሃብተመ ዝኸይድ፥ እኽሊ ዓጊቱ ድማ ዝርገም። ምኽሪ ዘይብላ ፅባቔ እቲ ዝበልሐ ዘረባ ይረክብ፦ ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዘሎ ቀለበት ወርቂ።
11 1ዘይቅኑዕ ሚዛን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርኹስ እዩ፥ ልክዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ። 2ትዕቢት ምስ መፀት፥ ሽዑ ውርደት ትመፅእ፤ ጥበብ ግና ምስ ትሑታት ኣላ። 3ቕንዕና ቅኑዓት ይመርሖም፤ ጥውይና ጠለምቲ ግና የጥፍኦም። 4ሃብቲ ብመዓልቲ ቍጥዓ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ካብ ሞት የድሕን። 5ፅድቂ ፍፁም ንመንገዲ የቕንዕ፤ ረሲእ ግና ብክፍኣቱ ይወድቕ። 6ፅድቂ ቅኑዓት የድሕኖም፤ ጠለምቲ ግና ብትምኒቶም ይተሓዙ። 7ረሲእ ምስ ሞተ፥ ዘለዎ ተስፋ ይጠፍእ፤ ተስፋ ሓይሉ ኸዓ ከንቱ ይኸውን። 8ፃድቕ ካብ መከራ ይድሕን፤ ረሲእ ድማ ኣብ ክንድኡ ናብኡ ይኣቱ። 9ዓማፂ ብኣፍ ንብፃዩ የጥፍእ፤ ፃድቃን ግና ብፍልጠቱ ይድሕኑ። 10ፃድቃን ፅቡቕ ምስ ኮኖም፥ ከተማ ትሕጐስ፤ ረሲኣን ምስ ጠፍኡ ኸዓ፥ ዕልልታ ይኸውን። 11ብብረኸት ቅኑዓት ከተማ ልዕል ትብል፤ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትፈርስ። 12ንብፃዩ ዝንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፤ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ግና ስቕ ይብል። 13ሓማዪ ምስጢር እናቃለዐ ይዛወር፤ እሙን መንፈስ ዘለዎ ግና ምስጢር ይሓዞ። 14መምርሒ ኣብ ዘይብሉ፥ ህዝቢ ይወድቕ፤ ብብዝሒ መኻርቲ ግና ድሕነት ኣሎ። 15ንጋሻ ዋሕስ ዝኸውን፥ ብርግፅ ይጉዳእ፤ ኢድ ምሃብ ዝፀልኦ ግና ውሑስ እዩ። 16ሕያወይቲ ሰበይቲ ክብሪ ትረክብ፤ ጨካናት ሰባት ከዓ ሃብቲ ይረኽቡ። 17ሕያዋይ ሰብ ንነፍሱ ይጠቅም፤ ጨካን ሰብ ግና ንነፍሱ ይጎድእ። 18ረሲእ ናይ ሓሶት ዓስቢ ይረክብ፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ናይ ሓቂ ዓስቢ ይረክብ። 19ኣብ ፅድቂ ዝፀንዕ ህይወት ይረክብ፤ ንክፍኣት ዝስዕብ ግና ናብ ሞቱ ይጎዪ። 20ቀይናን ልቢ ዘለዎም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርኹሳት እዮም፤ መንገዶም ፍፁም ዝኾነ ግና ባህ የብሎ። 21ክፉእ ሰብ ብዘይ ቅፅዓት ከምዘይተርፍ ብርግፅ ፍለጥ፤ ውሉድ ፃድቃን ግና ሓራ ይወፅእ። 22ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዘሎ ቀለበት ወርቂ፥ ምኽሪ ዘይብላ መልክዐኛ ሰበይቲ ከምኡ እያ። 23ትምኒት ፃድቃን ናብ ፅቡቕ ጥራሕ እዩ፤ ተስፋ ረሲኣን ግና ናብ ቍጥዓ እዩ። 24ገሊኡ ብልግሲ ይህብ፥ ሃብቱ ግና እናበዝሐ ይኸይድ፤ ገሊኡ ኸዓ ካብ ግቡእ ይኽልክል፥ ናብ ድኽነት ግና ይበፅሕ። 25ለጋስ ነፍሲ ክትህብትም እያ፤ ንኻልኦት ዘርዊ ኸዓ ባዕሉ ይርወ። 26እኽሊ ንዝዓግት፥ ህዝቢ ይረግሞ፤ እቲ ዝሸጦ ግና ይባረኽ። 27ፅቡቕ ተጠንቂቑ ዝደሊ፥ ሞገስ ይረክብ፤ ክፉእ ዝደሊ ግና፥ ክፉእ ይመፆ። 28እቲ ብሃብቱ ዝተኣማመን ክወድቕ እዩ፥ ፃድቕ ግና ከም ልሙዕ ቈፅሊ ክዕምብብ እዩ። 29እቲ ኣብ ቤቱ ፀገም ዘምፅእ ንፋስ ክወርስ እዩ፥ እቲ ዓሻ ድማ ነቲ ጠቢብ ልቢ ባርያ ክኸውን እዩ። 30ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እዩ፥ ነፍሳት ዝማርኽ ድማ ጠቢብ እዩ። 31ፃድቕ ኣብ ምድሪ እንተ ተፈዲዩ፥ እቲ ረሲእን እቲ ሓጥእንከ ኣዝዩ ብዝበለፀ ኣይፍደዩን!