ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቅኑዕ መሲሉ ዝርኣይ መንገዲ

ሰባት፥ ባዕሎም ሓዊሱ፥ ብቐሊሉ ኸመይ ከም ዝጋገዩ የተኵር። ንሰብ ቅኑዕ መሲሉ ዝርኣዮ መንገዲ ኣሎ፥ መወዳእታኡ ግና ሞት እዩ፥ ገርሂ ሰብ ንዅሉ ይኣምን፥ ሰሓቕ ድማ ዝኾነ ጓና ዘይካፈሎ ቃንዛ ይኽውል። ማሕበራዊ ብልሑ ተሪር እዩ፦ ድኻ ብጐረባብቱ እኳ ይፅላእ።

ምዕራፍ 14።

እታ ኻብ ኣንስቲ ዝጠበበት ቤታ ትሰርሕ፤ ዕሽነት ግና ብኢዳ ባዕላ ተፍርሳ። እቲ ብቕንዕና ዝመላለስ ንኣቦና ይፈርሕ፤ እቲ መንገዱ ጠዋይ ዝኾነ ግና ይንዕቆ። ኣፍ ዓሻ ንባዕሉ ትዕቢቱ በትሪ እዩ፤ ከናፍር ጠቢባን ግና ይሕልውዎም። ኣብዑር ኣብ ዘይብሉ፥ መብልዒ ኸፍቲ ፅሩይ ኮይኑ ይተርፍ፤ ብሓይሊ ብዕራይ ግና ብዙሕ እኽሊ ይርከብ። እሙን ምስክር ኣይሕሱን፤ ናይ ሓሰት ምስክር ግና ሓሶት ይተንፍስ። መላገፂ ጥበብ ይደሊ፥ ኣይረኽብን ከዓ፤ ነቲ መስተውዓሊ ግና ፍልጠት ይቐለሉ። ካብ ዓሻ ሰብ ርሓቕ፤ ኣብ ከናፍሩ ፍልጠት ኣይክትረክብን ኢኻ እሞ። ጥበብ ብልሒ ሰብ መንገዱ ምስትውዓል እዩ፤ ዕሽነት ዓሻታት ግና ተንኰል እዩ። ዓሻታት ነቲ መስዋእቲ በደል ይላገፁሉ፤ ኣብ መንጎ ቅኑዓት ግና ፀጋ ኣሎ። ልቢ ነቲ ናይ ባዕሉ ምረት ይፈልጥ፤ ጓና ድማ ኣብ ሓጐስ ልቢ ኣይሳተፍን። ቤት ረሲኣን ክትጠፍእ እያ፤ ድንኳን ቅኑዓት ግና ክዕምብብ እዩ። ንሰብ ቅኑዕ መሲሉ ዝርኣዮ መንገዲ ኣሎ፤ መወዳእታኡ ግና መንገዲ ሞት እዩ። ኣብ ሰሓቕ እኳ ልቢ ይሓምም፤ መወዳእታ ሓጐስ ድማ ጓሂ ይኸውን። እቲ ብልቡ ዝዓለወ በቲ ፍረ መንገዱ ክፀግብ እዩ፤ ፅቡቕ ሰብ ድማ በቲ ፍረ ናቱ። ገርሂ ሰብ ንዅሉ ይኣምን፤ ብልሒ ግና ንስጕምቱ ይሓስብ። ጥበበኛ ይፈርሕ ካብ ክፉእ ድማ ይርሕቕ፤ ዓሻ ግና ይድፍር ባዕሉውን ይተኣማመን። ቀልጢፉ ዝቝጣዕ ሰብ ዕሽነት ይገብር፤ ክፉእ ተንኰል ዝገብር ድማ ይፅላእ። ገርሃታት ዕሽነት ክወርሱ እዮም፤ ብልሓት ግና ፍልጠት ኣኽሊል ይኾኖም። እኩያት ኣብ ቅድሚ ፅቡቓት ይሰግዱ፤ ረሲኣን ድማ ኣብ ደገ ፃድቃን። ድኻ ብጐረባብቱ እኳ ይፅላእ፤ ሃብታም ግና ብዙሓት ፈተውቱ ኣለዎ። ንብፃዩ ዝንዕቕ ይብድል፤ ነቲ ድኻ ዝርህርሃሉ ግና ብፁእ እዩ። እቶም ክፉእ ዝሓስቡ ኣይጠፍኡንዶ? ምሕረትን ሓቅን ግና ናይ እቶም ፅቡቕ ዝሓስቡ እዩ። ኣብ ኵሉ ፅዑቕ ዕዮ ረብሓ ኣሎ፤ ልፍ ዘረባ ግና ናብ ድኽነት ጥራሕ የምርሕ። ኣኽሊል ጠቢባን ሃብቶም እዩ፤ ዕሽነት ዓሻታት ግና ዕሽነት ጥራሕ ይፈሪ። ሓቀኛ ምስክር ንነፍሳት የድሕን፤ ሓሶት ዝተንፍስ ግና ተጠላማይ እዩ። ኣብ ፍርሓት ኣቦና ብርቱዕ እምነት ኣሎ፤ ደቁ ድማ መዕቘቢ ክህልዎም እዩ። ፍርሓት ኣቦና ዒላ ህይወት እዩ፤ ንሰብ ካብ መፈንጠሪታት ሞት የርሕቆ። ብዝሒ ህዝቢ ንንጉስ ክብሪ እዩ፤ ህዝቢ ብዘይብሉ ግና መስፍን ይጠፍእ። ንቝጥዓ ደንጓዪ ዓብዪ ምስትውዓል ኣለዎ፤ ሕሩቕ ግና ዕሽነት የልዕል። ህዱእ ልቢ ንስጋ ህይወት ይህብ፤ ቕንኣት ግና ነዕፅምቲ የብሊ። ነቲ ድኻ ዝገፍዕ፥ ንኣቦና ንፈጣሪኦም የናሽዎ፤ ነቲ ፅጉም ዝርህርሃሉ ግና የኽብሮ። a a v31 ንድኻ ምብዳል፥ ነቲ ዝፈጠሮም ኣቦ ምንሻው እዩ — ነፍሲ ወከፍ ፅጉም ሰብ፥ ክብሪ ስራሕ ኢዱ ይፅውር እዩ። እቲ ክፉእ፥ በቲ ናይ ባዕሉ ክፍኣት ይጠፍእ፤ እቲ ፃድቕ ግና፥ ኣብ ሞቱ እኳ መዕቘቢ ይረክብ። ጥበብ ኣብ ልቢ እቲ መስተውዓሊ ትዓርፍ፤ ኣብ ማእኸል ዓያሱ እኳ ግና ርእሳ ተፍልጥ። ፅድቂ ንህዝቢ ልዕል ተብሎ፤ ሓጢኣት ግና ንዝኾነ ህዝቢ ነውሪ እዩ። ሞገስ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ለባም ባርያ ኣሎ፤ ቍጥዓኡ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ዘሕፍር ዝገብር ይወርድ።