ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ካህናትን ሌዋውያንን ኣቦና ናብ ዓዶም ተመለሱ

ትውልዲ ካህናትን ሌዋውያን ኣቦናን ምስ ተመዝገቡ፥ እቲ ዝተወድአ ቅፅሪ ይቕደስ፦ ክልተ ዓበይቲ መዘምራን ይድይቡ፥ ብልዕሊ እቲ ቅፅሪ ናብ ተፃራሪ ወገን ይኸዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ድማ ይራኸቡ። እቲ መስዋእትን ዝማሬን ርሑቕ ካብ ኢየሩሳሌም ዝስማዕ ሓጐስ ገበረ።

ምዕራፍ 12።

እዚኣቶም እቶም ምስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ምስ ኢያሱን ዝደየቡ ካህናትን ሌዋውያንን እዮም፦ ሰራያ፥ ኤርሚያስ፥ ዕዝራ፥ ኣማርያ፥ ማሉክ፥ ሃጡሽ፥ ሰካንያ፥ ርሑም፥ መሬሞት፥ ዒዶ፥ ጊኔቶይ፥ ኣብያ፥ ሚያሚን፥ ማዓድያ፥ ቢልጋ፥ ሳማያ፥ ኢዮያሪብ፥ የዳያ፥ ሳሉ፥ ዓሞቅ፥ ሂልቅያ፥ የዳያ ነበሩ፤ እዚኣቶም ብዘመን ኢያሱ ሓለቓ ካህናትን ኣዝማዶምን ነበሩ።

ሌዋውያን ድማ፦ ኢያሱ፥ ቢኑይ፥ ቃድሚኤል፥ ሰረብያ፥ ይሁዳ፥ ማታንያ እዮም፤ ማታንያ ምስ ኣሕዋቱ ኾይኑ ንመዝሙር ምስጋና ይመርሕ ነበረ። ባቅቡቅያን ዑኒን ኣሕዋቶም ድማ፥ በብተራ ኣገልግሎቶም ኣብ መንፅሮም ደው ይብሉ ነበሩ። ኢያሱ ንኢዮያቂም ወለደ፥ ኢዮያቂም ንኤልያሺብ ወለደ፥ ኤልያሺብ ንኢዮያዳ ወለደ፥ ኢዮያዳ ንዮናታን ወለደ፥ ዮናታን ድማ ንያዱዓ ወለደ።

ብዘመን ኢዮያቂም ድማ እዞም ዝስዕቡ ካህናት ሓለቓ ማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ፦ ንቤት ሰራያ መራያ፥ ንቤት ኤርሚያስ ሃናንያ፥ ንቤት ዕዝራ መሱላም፥ ንቤት ኣማርያ ኢዮሃናን፥ ንቤት ማሉኪ ዮናታን፥ ንቤት ሰባንያ ዮሴፍ፥ ንቤት ሃሪም ዓድና፥ ንቤት መራዮት ሔልቃይ፥ ንቤት ዒዶ ዘካርያስ፥ ንቤት ጊኔቶን መሱላም፥ ንቤት ኣብያ ዝክሪ፥ ንቤት ሚንያሚንን ሞዓድያን ድማ ፒልጣይ፥ ንቤት ቢልጋ ሳሙስ፥ ንቤት ሳማያ ኢዮናታን፥ ንቤት ኢዮያሪብ ማቴናይ፥ ንቤት የዳያ ዑዚ፥ ንቤት ሳላይ ቃላይ፥ ንቤት ዓሞቅ ዔቦር፥ ንቤት ሂልቅያ ሃሻብያ፥ ንቤት የዳያ ናትናኤል።

ብዘመን ኤልያሺብን ኢዮያዳን ዮሃናንን ያዱዓን፥ ሓለቓ ማይ ቤት ሌዋውያን ተመዝገቡ፤ ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዳርዮስ እቲ ፋርሳዊ ተመዝገቡ። ሓለቓ ማይ ቤት ሌዋውያን ድማ፥ ክሳዕ ዘመን ዮሃናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ተመዝገቡ። a a v23 እቲ ኣብዙይ ዘሎ መፅሓፍ ታሪክ፥ ወግዓዊ መዝገብ መንግስቲ እዩ እምበር፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዘሎ መፃሕፍቲ ዜና መዋዕል ኣይኮነን። ሓለቓ ሌዋውያን ድማ ሃሻብያን ሰረብያን ኢያሱ ወዲ ቃድሚኤልን ነበሩ። ኣሕዋቶም ድማ ኣብ መንፅሮም ኮይኖም፥ ከምቲ ዳዊት ሰብ ኣቦና ዝኣዘዞ፥ እቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ሓደ እናመለሰ፥ የኽብሩን የመስግኑን ነበሩ። ማታንያን ባቅቡቅያን ኣብድዩን መሱላምን ጣልሞንን ዓቁብን ድማ፥ ኣብ ኣፍ ደገታት ንመዛግብቲ ዝሕልዉ ሓለውቲ ደገ ነበሩ። እዚኣቶም ብዘመን ኢዮያቂም ወዲ ኢያሱ ወዲ ኢዮሳዳቅን፥ ብዘመን ነህምያ እቲ ሹምን ዕዝራ እቲ ካህንን ፀሓፊን የገልግሉ ነበሩ።

እቲ ቕፅሪ ብዓብዪ ሓጐስ ተባረኸ

ንመባረኺ ቕፅሪ ኢየሩሳሌም ድማ፥ መባረኺ ብሓጐስን ብምስጋናን ብደርፍን ብፀናፅልን ብበገናን ብመሰንቆን ምእንቲ ኸብዕሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ዝነብሩሉ ዅሉ ቦታ ደልዮም ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎም። እቶም መዘምራን ድማ ካብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ካብ ቍሸታት ኔጦፋውያንን ተኣከቡ፤ ካብ ቤትጌልገላን ካብ ምድሪ ጋባን ዓዝሞትን፤ እቶም መዘምራን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ቍሸታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ርእሶም ምስ ነፅሁ ድማ፥ ነቲ ህዝብን ነቲ ደገታትን ነቲ ቕፅርን ኣንፅህዎ።

ሽዑ ንሓለቓ ይሁዳ ናብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኣደየብክዎም፤ ክልተ ዓበይቲ መዘምራን ምስጋና ድማ መደብኩ። እቲ ሓደ ጉጅለ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኾይኑ፥ ናብ ደገ ድዅዒ ንየማን ከደ። ሆሻዕያን ፈረቓ ሓለቓ ይሁዳን ድማ ሰዓብዎም፥ ምስኣቶም ድማ ኣዛርያስን ዕዝራን መሱላምን፥ ይሁዳን ብንያምን ሳማያን ኤርሚያስን፥ ገሊኣቶም ደቂ ካህናት ድማ ምስ መለኸት ነበሩ፦ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳማያ ወዲ ማታንያ ወዲ ሚክያስ ወዲ ዛኩር ወዲ ኣሳፍ፥ ኣሕዋቱ ድማ ሳማያን ዓዛርኤልን ሚላላይን ጊላላይን ማዓይን ናትናኤልን ይሁዳን ኣናኒን ነበሩ፤ ንሳቶም መሳርሒ ደርፊ ዳዊት ሰብ ኣቦና ሒዞም ነበሩ፤ ዕዝራ እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣብ ቅድሚኦም ይመርሕ ነበረ። ኣብ ደገ ዒላ ድማ፥ ነቲ መደያይቦ ኸተማ ዳዊት ቀጥ ኢሎም ደየቡ፥ በቲ ዓቐበት ቕፅሪ ኣቢሎም፥ ብልዕሊ ቤት ዳዊት ሓሊፎም፥ ናብ ደገ ማይ ብወገን ምብራቕ ከዱ።

እቲ ኻልኣይ መዘምራን ድማ ንፀጋም ከደ፤ ኣነውን ምስ ፈረቓ እቲ ህዝቢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕፅሪ ኾይነ፥ ብልዕሊ ግንቢ እቶናት ሓሊፈ ናብቲ ገፊሕ ቕፅሪ ሰዓብክዎ፥ ብልዕሊ ደገ ኤፍሬምን ደገ ዬሻናን ደገ ዓሳን ግንቢ ሃናንኤልን ግንቢ ሚኢትን ሓሊፍና፥ ናብ ደገ ኣባጊዕ በፅሕና፤ ኣብ ደገ ዘብዐኛ ድማ ደው በልና። እቶም ክልተ መዘምራን ምስጋና ድማ ኣብ ቤት ኣቦና ደው በሉ፤ ኣነውን ምስቶም ምሳይ ዝነበሩ ፈረቓ ሹማምቲ ኾይነ ደው በልኩ፥ እቶም ካህናት ኤልያቄም፥ ማዓስያ፥ ሚንያሚን፥ ሚክያስ፥ ኤልዮዔናይ፥ ዘካርያስ፥ ሃናንያን ድማ ምስ መለኸቶም ነበሩ። ማዓስያን ሳማያን ኣልኣዛርን ዑዚን ይሆሃናንን ማልክያን ዔላምን ኤፅርን ድማ ነበሩ። እቶም መዘምራን ከዓ ኢዝራህያ እናመርሐም ዘመሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዓበይቲ መስዋእቲ ሰዊኦም ተሓጐሱ፤ ኣቦና ዓብዪ ሓጐስ ሂብዎም ነበረ እሞ። ኣንስትን ቈልዑን ድማ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣብ ርሑቕ ተሰምዐ።

ነቶም ንኣቦ ዘገልግሉ ምእላይ

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመባእን ንበዅራትን ንዕሽርን ዝኾኑ መዛግብ ዝሕልዉ ሰባት ተመረፁ፤ ነቲ ሕጊ ንካህናትን ንሌዋውያንን ዝምድቦ ብፅሒት ካብ ግራውቲ ኸተማታት ንምእካብ ነበረ፤ ይሁዳ በቶም ዘገልግሉ ካህናትን ሌዋውያንን ተሓጒሱ ነበረ እሞ። ንሳቶም ከምቲ ዳዊትን ወዱ ሰሎሞንን ዝኣዘዝዎ፥ ከምቶም መዘምራንን ሓለውቲ ደገን ገይሮም፥ ናይ ኣቦናን ናይ ምንፃህን ግቡእ ሓለዉ። ካብ ጥንቲ፥ ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍን፥ ንኣቦና ውዳሴን ምስጋናን ዝመርሑ ሓለቓ መዘምራን ነበሩ እሞ። ብዘመን ዘሩባቤልን ነህምያን ድማ፥ ኵሉ እስራኤል ነቶም መዘምራንን ሓለውቲ ደገን ዕለት ዕለት ብፅሒቶም ይህብዎም ነበሩ፤ ንሌዋውያን ድማ ብፅሒት ፈለዩሎም፤ ሌዋውያንውን ንደቂ ኣሮን ብፅሒት ፈለዩሎም።