ኣቦ ነቲ መንገዲ የዳሉ
ዮሃንስ ፀጕሪ ግመል ተኸዲኑ፥ ነቶም ክጥመቑ ዝመፁ ህዝቢ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃን ንሓደ እኳ ኸም ዘየድሕን ነገሮም። ሽዑ ኢየሱስ ባዕሉ ኽጥመቕ ለመነ፥ ዮሃንስ ከዓ ብኣንፃሩ ኽኸውን ከም ዘለዎ ተቓወመ። ንሱ ድማ ፈቐደሉ፥ ድምፂ ኣቦኡ ኸዓ ዝፍቶ ወዱ ኢሉ ሰመዮ።
3 1በቲ መዓልቲታት እቲ፥ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ ይሁዳ እናሰበኸን መፀ፥ 2“ንስሃ እተዉ፥ መንግስቲ ኣቦና ቀሪባ እያ እሞ።” 3እዙይ እቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ እዩ፥ ከምዙይ ኢሉ፦ “ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፦ መንገዲ እግዚኣብሄር ኣዳልዉ፥ ጐደናታቱ ኣቕንዑ።”
4ዮሃንስ ከዓ ካብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ክዳን ተኸዲኑ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ኣዲም ቅናት ተዓጢቑ ነበረ፤ ምግቡ ድማ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ። 5ሽዑ ኢየሩሳሌምን ኵሉ ይሁዳን ኵሉ እቲ ኸባቢ ዮርዳኖስን ናብኡ ወፁ፥ 6ሓጢኣቶም ድማ እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ተጠመቑ።
7ብዙሓት ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክጥመቑ ክመፁ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ዘርኢ ኣትማን! ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ክትሃድሙ መን ኣጠንቀቐኩም? 8እምበኣር ንስሃ ዝግባእ ፍረ ኣፍርዩ። 9‘ኣብርሃም ኣቦና እዩ’ ኢልኩም ኣብ ልብኹም ኣይትበሉ፤ ኣነ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣቦና ካብዞም ኣእማን እዚኣቶም ንኣብርሃም ውሉድ ከተስእ ይኽእል እዩ እሞ። 10እታ ማሕፀ ድሮ ኣብ ሱር እቶም ኣእዋም ተነቢራ ኣላ፤ ስለዙይ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኵሉ ኦም ተቘሪፁ ናብ ሓዊ ይድርበ።
11“ኣነ ንንስሃ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም፤ ድሕረይ ዝመፅእ ዘሎ ግና፥ ካባይ ዝሕይል እዩ፤ ኣሳእኑ ንምፃር እኳ ኣይበቅዕን እየ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ። 12መኽፈሺኡ ኣብ ኢዱ ኣሎ፤ ዓውዱ ከፅሪ፥ ስርናዩ ናብ ጐተራ ከኣኽብ፥ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድዶ እዩ።” a a v12 መኽፈሺ ነቲ ዝተኸፍሰ እኽሊ ናብ ኣየር ንምድርባይ ይጠቕም ነበረ፤ እቲ ዝኸብድ ስርናይ ናብ ምድሪ ይምለስ፥ እቲ ቀሊል ብቝቡቝ ግና ይንፈስ ነበረ።
ኣቦ ንወዱ ይቕበሎ
13ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ ኢሉ፥ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ናብ ዮሃንስ መፀ። 14ዮሃንስ ግና ክዓግቶ ደለየ እሞ፥ “ኣነ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እናሃለወ፥ ንስኻ ናባይ ትመፅእ?” በሎ።
15ኢየሱስ ድማ፥ “ኵሉ ፅድቂ ክንፍፅም ከምዙይ ይግባእ እዩ እሞ፥ ሕዚ ሕደገኒ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዮሃንስ ሓደጎ።
16ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ብኡብኡ ካብ ማይ ደየበ፤ እንሆ ድማ ሰማያት ተኸፍተሉ፤ መንፈስ ኣቦና ድማ ከም ርግቢ ክወርድ፥ ኣብ ልዕሊኡውን ክቕመጥ ረአየ።
17ሽዑ ድማ ካብ ሰማይ ድምፂ፥ “እዙይ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፤ ብእኡ ድማ ባህ ይብለኒ” በለ።