ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወዲ ኣቦ ንፈታኒ ይገጥሞ

ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ጠምዩ፥ ኢየሱስ ገለ ኸየርኣየ፥ ነቲ ፈታኒ ብቓል ኣቦኡ ሰለስተ ጊዜ መለሰሉ። ድሕሪኡ ኣብ ቅፍርናሆም ተቐመጠ፥ ንኣስገርቲ ዓሳ ፀዊዑ ሽዑ ንሽዑ መርበቦም ሓደጉ፥ ህዝቢ ኸዓ ካብ ኵሉ ወገን ነቲ ኻልእ ከሕውዮ ዘይከኣለ ዅሉ ተሸኪሞም መፁ።

ምዕራፍ 4።

ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፥ ብድያብሎስ ምእንቲ ኽፍተን፥ ናብ በረኻ መርሖ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ፆመ ድማ፥ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ኸዓ መፂኡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ኾይንካ፥ እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንጀራ ኽኾኑ በሎም” በሎ።

ንሱ ግና “‘ሰብ ካብ ኣፍ ኣቦና ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ እቲ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሰዶ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝለዓለ ኵርናዕ ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ኾይንካ፥ ‘ብዛዕባኻ ንመላእኽቱ ክእዝዝ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣእጋርካ ኣብ እምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፥ ብኣእዳዎም ክሃንፁኻ እዮም’ ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ ንርእስኻ ናብ ታሕቲ ደርብያ።”

ኢየሱስ ድማ “መሊሱ ‘ንኣቦኻ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ” በሎ።

እቲ ድያብሎስ መሊሱ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሰዶ፥ ኵሉ መንግስታት ዓለምን ክብሮምን ድማ ኣርኣዮ። “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፥ እዝ ዅሉ ክህበካ እየ” ድማ በሎ።

ሽዑ ኢየሱስ “ኦ ሰይጣን፥ ካባይ ርሓቕ! ‘ንኣቦኻ ስገድ፥ ንእኡ በይኑ ኸዓ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ እሞ” በሎ።

ሽዑ እቲ ድያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ኸዓ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።

ብርሃን ኣብ ገሊላ ይበርህ

ዮሃንስ ከም ዝተኣስረ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ናብ ገሊላ ኣግለሰ። ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ቅፍርናሆም፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ፥ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን መፂኡ ተቐመጠ፤ እዙይ ከዓ፥ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ፦ “ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፥ መንገዲ ባሕሪ፥ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ገሊላ ናይ ኣህዛብ፥ እቲ ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ሃገርን ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ብርሃን በረሃሎም።”

ካብታ ጊዜ እቲኣ ኢየሱስ “መንግስቲ ኣቦና ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ፥ ክሰብኽ ጀመረ።

ኢየሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ይፅውዕ

ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽኸይድ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን፥ ኣብ ባሕሪ መርበብ ክድርብዩ ረአዮም፤ ንሳቶም ኣስገርቲ ዓሳ ነበሩ።

“ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ” ድማ በሎም።

ንሳቶም ከዓ መርበቦም ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ። ካብኡ ናብ ቅድሚት ምስ ቀፀለ ድማ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን፥ ምስ ኣቦኦም ዘብዴዎስ ኣብ ጃልባ ኮይኖም መርበብ ከተዓራርዩ ረአዮም፤ ፀውዖም ድማ። ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።

ኣቦ ብወዱ ይፍውስ

ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ እናመሃረ፥ ወንጌል መንግስቲ እናበሰረ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ኸዓ ንዝኾነ ደዌን ሕማምን እናፈወሰ፥ ኣብ ኵሉ ገሊላ ዞረ። ዝናኡ ድማ ናብ ኵሉ ሶርያ ወፀ። ንዅሎም ሕሙማት፥ በብዝተፈላለየ ሕማምን ቃንዛን ዝተትሓዙ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ ዝወድቕዎምን መፃጕዓትን ድማ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም። ብዙሓት ህዝቢ ድማ፥ ካብ ገሊላ፥ ካብ ዓሰርተ ኸተማን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ተኸተልዎ። a a v25 ዓሰርተ ኸተማ፥ ኣብ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ባሕሪ ገሊላ ዝርከብ፥ ዝበዝሑ ኣህዛብ ዝነብሩለን ዓሰርተ ኸተማታት ዝሓቘፈ ኣከባቢ ነበረ።