ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ረኺበዮ እንተ ዝኸውን ጥራሕ

ኢዮብ ቤት ፍርዲ ይደሊ፥ ውግእ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ዝነብረሉ ኽረክብ እንተ ዝኽእል፥ ነገሩ ምዘርግሐ ነፃ ድማ ምኾነ። ግና እግዚኣብሄር ኣብ ምብራቕ ወይ ኣብ ምዕራብ የለን፥ ዝደለዮ ዅሉ ድማ ይገብር። ኢዮብ ከም ወርቂ ኾይነ ክወፅእ እየ ይብል፥ ግና ተሸቢሩ ይተርፍ።

ምዕራፍ 23።

ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ሎሚ እኳ ጥርዓነይ መሪር እዩ፤ ኣውያተይ እኳ እንተ በዝሐ ኢዱ ከቢድ እዩ። ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ ጥራሕ፥ ናብ ማሕደሩ ኸዓ ምመፃእኩ! ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ ምዘርጋሕኩ፥ ኣፈይ ድማ ብምጉት ምመላእኩ። እቲ ዝምልሰለይ ቃላት ምተመሃርኩ፥ እቲ ዝብለኒ ድማ ምስተውዓልኩ። ብዕቤት ሓይሉ ድዩ ዝበኣሰኒ? ኣይፋሉን፥ ንሱስ ብርግፅ ምሰምዓኒ ነይሩ። ኣብኡ ቅኑዕ ሰብ ምስኡ ምተመጓተ፥ ኣነ ኸዓ ብዳኛይ ንዘለኣለም ነፃ ምኾንኩ። ናብ ምብራቕ እንተ ኸድኩ ግና ኣብኡ የለን፥ ናብ ምዕራብ ድማ እንተ ኸድኩ ኣይረኽቦን። ብሰሜን እንትሰርሕ ክርእዮ ኣይክእልን፥ ናብ ደቡብ እንትዙር ድማ ኣይረኽቦን። ንሱ ግና እታ ዝኸዳ መንገዲ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒ ኸም ወርቂ ኾይነ ክወፅእ እየ። እግረይ ኣብ ኣካይዳኡ ፅኒዑ፤ መንገዱ ሓልየ ኣይረሓቕኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይረሓቕኩን፤ ቃላት ኣፉ ኸዓ ካብ ናይ ዕለት ምግበይ ንላዕሊ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ። ንሱ ግና ዘይልወጥ እዩ፥ መን ይመልሶ? ዝደለዮ ዅሉ ይገብር። ነቲ ዝመደበለይ ክፍፅሞ እዩ እሞ፥ ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ኣብ ልቡ ኣሎ። ስለዙይ ኣብ ቅድሚኡ እሸበር ኣለኹ፤ እንተ ሓሰብክዎ ድማ እፈርሕ ኣለኹ። እግዚኣብሄር ንልበይ ኣድከሞ፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ኣሸበረኒ። ኮይኑ ግና ብፀልማት ስቕ ኣይበልኩን፥ በቲ ንገፀይ ዝኸደኖ ግብ ዝበለ ጣቓ።”