ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ልቢ ይሁዳ ዝተቐርፀ ሓጢኣት

ሓጢኣት ይሁዳ ኣብ ፅላት ልቦም ከም ቅርፂ ኣብ እምኒ ተቐሪፁ ኣሎ። ክልተ ህይወት ጎኒ ንጎኒ ይቕመጡ፦ እቲ ብሓይሊ ሰብ ዝምርኮስ፥ ከም ቈጥቋጥ በረኻ ዝነቐፀ፥ እቲ ብኣቦኡ ዝኣምን ድማ፥ ብዓመት ድርቅ እኳ ልሙዕ ዝኾነ። ኤርሚያስ ክሕዋይ ይልምን፥ ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ሰንበት የጠንቅቕ።

ምዕራፍ 17።

ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓፂን ተቐሪፁ፥ ብርእሲ ኣልማዝ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢታቶምን ተፅሒፉ ኣሎ፥

“ደቆም ንመሰውኢታቶምን ንኣዕማድ ኣስታሮቶምን ኣብ ጥቓ ልምሉም ኦም ኣብ ነዋሕቲ ኰረብታታት እናዘከሩ፤ a a v2 ኣዕማድ ኣስታሮት ንምምላኽ ኣስታሮት፥ ናይ ከነዓናውያን ኣምላኸ ፍርያምነት፥ ዝተተኽሉ ካብ ዕንፀይቲ ዝተቐረፁ ነገራት ነበሩ። ኦ ኣብ ጐልጐል ዘሎ እምባይ፥ ንሃብትኻን ንኵሉ መዛግብትኻን ንምርኮ ኣሕሊፈ ክህቦ እየ፤ ንበረኽትኻውን ብሰሪ እቲ ኣብ ኵሉ ዶብካ ዝተገብረ ሓጢኣት ከምኡ ክገብሮ እየ። ብገዛእ ኢድካ ነቲ ዝሃብኩኻ ርስቲ ክተጥፍኦ ኢኻ፤ ንፀላእትኻ ድማ ከገልግል ክገብረካ እየ፥ ኣብ ዘይትፈልጥዋ ምድሪ፤ ኣብ ቍጥዓይ ሓዊ ኣንዲድካ ኢኻ እሞ፥ ንሱ ንዘለኣለም ክነድድ እዩ።

ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ እቲ ብሰብ ጥራሕ ዝኣምን፥ ብሓይሊ ሰብ ዝምርኮስ፥ ልቡ ኸዓ ካባይ ዝርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ። ንሱ ከምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ቈጥቋጥ፥ ራህዋ ምስ መፀ እኳ ዘይረክብ፥ ኣብ ኣፃምእ ምድረ በዳ ዝነብር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰብ ዘይነብረላ ምድሪ ጨው። እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ትውክልቱ ኸዓ ኣባይ ዝኾነ ሰብ ግና ብፁእ እዩ። ንሱ ከምቲ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተኸለ፥ ናብ ሩባ ሱሩ ዝዝርግሕ ኦም ክኸውን እዩ፤ ሃሩር ምስ መፀ ኣይፈርሕን፤ ቆፀሉ ልሙዕ ኮይኑ ይነብር፤ ብዓመት ድርቅ ኣይጭነቕን፤ ምፍራይ ድማ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ። ልቢ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ጠባራይ፥ ፈውሲ ዘይርከቦውን እዩ፤ መን ከስተውዕል ይኽእል? ኣነ ኣቦኻትኩም ንልቢ እምርምር፥ ንሓሳብውን እፍትን፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም መንገዱ፥ ከከም ፍረ ግብሩ ድማ ክፈዲ እየ። ከምቲ ዘይወለደቶ እንቍላሊሕ ዝሓቍፍ ቖቓሕ፥ እቲ ብዓመፃ ሃብቲ ዝእክብ ሰብ ከምኡ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ እቲ ሃብቲ ክሓድጎ እዩ፤ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ዓሻ ኾይኑ ክርከብ እዩ።”

ካብ መጀመርታ ልዕል ዝበለ ኽቡር ዙፋን፥ ቦታ መቕደስና እዩ። ኦ ኣቦና፥ ተስፋ እስራኤል፥ እቶም ዝሓድጉኻ ዅሎም ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቁ ኣብ ሓመድ ክፅሓፉ እዮም፤ ንኣቦና፥ ነቲ ምንጪ ማይ ህይወት፥ ሓዲጎምዎ እዮም እሞ።

ኦ ኣቦይ፥ ኣሕውየኒ እሞ ክሓዊ እየ፤ ኣድሕነኒ እሞ ክድሕን እየ፤ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻ እሞ። እንሆ፥ ተደጋጊሞም ከምዙይ ይብሉኒ ኣለዉ፥ “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ይምፃእ!” ኣነ ግና ጓሳ ኻብ ምዃን ኣይሃደምኩን፤ ኣብ ድሕሬኻ፥ መዓልቲ ተስፋ ምቑራፅ ድማ ኣይተመነኹን። ካብ ከናፍረይ ዝወፀ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣብ ቅድሜኻ ግሁድ ነበረ። መፍርሒ ኣይትኹነኒ፤ ብመዓልቲ መዓት ንስኻ መዕቘብየይ ኢኻ። እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፥ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይሰባበሩ፥ ኣነ ግና ኣይሰባበር፤ መዓልቲ መዓት ኣምፅኣሎም፤ ብዕፅፊ ጥፍኣት ድማ ስበሮም።

ኣቦ ንሰንበት ተኣማንነት ይፅውዕ

ኣቦና ከምዙይ በለኒ፦ ኪድ እሞ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉሉን ዝወፁሉን ኣብ ደገ ደቂ ህዝቢ፥ ኣብ ኵሉ ደጌታት ኢየሩሳሌምውን ደው በል፤

ከምዙይ ድማ በሎም፦ ኦ ነገስታት ይሁዳ፥ ኵሉ ይሁዳ፥ በዞም ደጌታት እዚኣቶም እትኣትዉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለኹም ኵላትኩም፥ ቃል ኣቦና ስምዑ። ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ኣይትፅዓኑ፤ ብደጌታት ኢየሩሳሌም ድማ ኣይተእትዉ። ብመዓልቲ ሰንበት ካብ ኣባይትኹም ፆር ኣይተውፅኡ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ፤ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ድማ ንሰንበት ቀድስዋ። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን ኣቓልቦ ድማ ኣይሃቡን፤ ክሰምዑ ወይ ተግሳፅ ክቕበሉ ኣብዮም ክሳዶም ኣትረሩ። ብሓቂ እንተ ሰሚዕኩምኒ፥ ይብል ኣቦና፥ ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር እንተ ዘይኣእተኹም፥ ዝኾነ ስራሕ ኣብኣ እናዘይገበርኩም ንሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ሽዑ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትን፥ ንሳቶምን ሹመኛታቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ክኣትዉ እዮም፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ንዘለኣለም ሰብ ዝነብረላ ኽትከውን እያ። ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ምድሪ ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ጎቦታትን ካብ ደቡብን፥ ዚቃፀል መስዋእትን መስዋእትን ቍርባንን ዕጣንን መስዋእቲ ምስጋናን ናብ ቤት ኣቦና ኣምፂኦም ሰባት ክመፁ እዮም። ንሰንበት ክትቅድስዋን ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ብደጌታት ኢየሩሳሌም ፆር ከይተእትዉን እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ ግና፥ ኣብ ደጌታታ ዘይጠፍእ ሓዊ ከእጕድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ክበልዕ እዩ።