ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሙሴን ሳሙኤልን እኳ

ሙሴ ኾነ ሳሙኤል እኳ ነዙይ ክመልስዎ ኣይምከኣሉን፥ ይብል ኣቦና። ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲኡ ይስበር፥ ንዕለት ልደቱ ይረግም፥ ኣቦኡ ዝነፅፍ ሩባ ዲዩ ኾይኑ ድማ ይሓትት። እቲ መልሲ ብቕድመ ኵነት እዩ፦ ተመለስ፥ ክቡር ነገር ተዛረብ፥ ናይ ነሓስ መንደቕ ድማ ክትከውን ኢኻ።

ምዕራፍ 15።

ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ደው በሉ፥ ልበይ ናብዝ ህዝቢ እዙይ ኣይምለስን። ካብ ቅድመይ ኣውፅኣዮም፤ ይኺዱ።” ንሳቶም ድማ “ናበይ ኢና እንኸይድ?” ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቶም ንሞት ዝኾኑ ናብ ሞት፥ እቶም ንሰይፊ ዝኾኑ ናብ ሰይፊ፥ እቶም ንጥሜት ዝኾኑ ናብ ጥሜት፥ እቶም ንምርኮ ዝኾኑ ድማ ናብ ምርኮ ይኺዱ።”

“ኣብ ልዕሊኦም ኣርባዕተ ዓይነት መጥፍኢ ኽሾም እየ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፤ ንምቕታል ሰይፊ፥ ንምስሓብ ኣኽላባት፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ድማ ክበልዑን ከጥፍኡን። ብሰንኪ እቲ ምናሴ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ንዅለን መንግስታት ምድሪ መገረሚ ኽገብሮም እየ።”

“ኦ ኢየሩሳሌም፥ ዝራሕርሃልኪ መን እዩ? ዝበኽየልኪ መን እዩ? ጠጠው ኢሉ ደሃይኪ ዝሓትትከ መን እዩ? ነዓቕክኒ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፤ ንድሕሪት ትኸዲ ኣለኺ። ስለዙይ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ ኣጥፊአኪ፤ ካብ ራህራሀ ደኺመ እየ። ኣብ ደጌታት እታ ምድሪ ብመስአ ፀረኽዎም። ሰኪለዮም፤ ንህዝበይ ኣጥፊአዮ፤ ካብ መንገድታቶም ኣይተመለሱን እዮም እሞ። a a v7 ምፅራይ እኽሊ፦ ሓረስታይ ነቲ ዝተወቕዐ እኽሊ ናብ ኣየር ይድርብዮ ነበረ፤ ስለዙይ እቲ ንፋስ ነቲ ዘይጠቅም ሓሰር ይነፍሶ፤ እቲ እኽሊ ጥራሕ ድማ ይተርፍ። መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓ። ኣብ ልዕሊ እኖታት መንእሰያት ፍርቂ መዓልቲ መጥፍኢ ኣምፃእኩ፤ ብድንገት ቅልውላው ድማ ድንጋፀ ኣብ ልዕሊኣ ኣውረድኩ። እታ ሸውዓተ ዝወለደት ደኸመት፤ ትንፋሳ ወፀት። ፀሓይ ገና መዓልቲ እንተሎ ዓረበትላ፤ ሓፈረትን ተዋረደትን። ነቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኽህቦም እየ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና።”

ኤርሚያስ ብጭንቀት ይጠርዕ

ኣደይ፥ ወይለይ! ንብዘላ ምድሪ ሰብኣይ ክርክር ድማ ባእሲ ኮይነ ስለ ዝወለድክኒ! ኣየለቓሕኹን፥ ኣይተለቃሕኹን፤ ኮይኑ ግና ኵሉ ይረግመኒ ኣሎ።

ኣቦና ከምዙይ በለ፦ “ብርግፅ ንሰናይ ከናግፈካ እየ፤ ኣብ ጊዜ መከራን ሽግርን ነቲ ፀላኢ ኣባኻ ከምዝልምን ክገብሮ እየ።” ሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፅእ ሓፂንን ነሓስን ክሰብር ዝኽእል ሰብ ኣሎዶ? “ሃብትኻን መዛግብትኻን ብዘይ ዋጋ ንዘመተ ክህቦም እየ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ብዘሎ ዶብካ ዝገበርካዮ ኵሉ ሓጢኣትካ። ኣብ ዘይትፈልጥ ምድሪ ንፀላእትኻ ኸተገልግል ክገብረካ እየ፤ ኣብ ቍጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሌኻ ኽነድድ እዩ።”

ኦ ኣቦይ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ዘክረኒ፥ ሓልየለይ፥ ካብቶም ዘሳጕጉኒ ድማ ተበቀለለይ። ብዓቕሊ ተፃወረኒ፥ ኣይትውሰደኒውን፤ ምእንታኻ ፀርፊ ከም ዝፅወር ፍለጥ። ቃላትካ ተረኽቡ፥ ኣነ ድማ በላዕክዎም፤ ቃላትካ ኸዓ ሓጐሰይ ድማ ተድላ ልበይ ኮነ፤ ብስምካ ተፀዊዐ እየ እሞ፥ ኦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። ኣብ ጉባኤ ተፃወቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ኣይተሓጐስኩን ድማ፤ ብሰንኪ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ፤ ብዂራ መሊእካኒ ኢኻ እሞ። ቃንዛይ ዘይውዳእ፥ ቍስለይ ድማ ዘይሓዊ፥ ክሓዊ ዝኣበየ ስለምንታይ ኮነ? ከም ሓሳዊ ሩባ፥ ከም ዝነፅፍ ማይ ዲኻ እትኾነኒ?

ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንተ ተመሊስካ፥ ኣብ ቅድመይ ደው ክትብል ክመልሰካ እየ። ነቲ ክቡር ካብቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን ፈሊኻ እንተ ኣውፂእኻ፥ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ክምለሱ እዮም፥ ንስኻ ግና ናባታቶም ኣይትመለስ። ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናይ ነሃስ ፅኑዕ መካበብያ ክገብረካ እየ፤ ምሳኻ ይዋግኡ እዮም ግና ኣይክስዕሩኻን እዮም፤ ኣነ ከድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ይብል ኣቦና። “ካብ ኢድ ሓጥኣን ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ጨካናት ድማ ክቤዝወካ እየ።”