ትእዛዛት ኣቦ
ብቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ዓመት ኵሉ ተተኸለ፥ ተቐብአ፥ ኣብ ቦታኡ ድማ ተነበረ፥ ኣሮንን ደቁን ተሓፂቦም ተኸድኑ። ሽዑ እቲ ደመና ነቲ ድንኳን ሸፈኖ፥ ክብሪ ኣቦና ድማ ሙሴ ኽኣቱ ኽሳዕ ዘይኽእል ጌሩ መልኦ። ካብዙይ ንነዘው እቲ ደመና መዓስ ከም ዝንቀሳቐሱ ይውስን ነበረ።
40 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2“ነቲ ድንኳን፥ መራኸቢ ድንኳን፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቐዳማይ ወርሒ ኣቚሞ። 3ነቲ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ኣንብሮ፤ ነቲ ታቦት ድማ በቲ መጋረጃ ጋርዶ። 4ነቲ ጠረጴዛ ኣእትዎ፥ መስርዑ ድማ ኣሰናድኣሉ፤ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣእትዎ፥ ቀናዲሉ ኸዓ ኣብርህ። 5ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ዕጣን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ነቲ መጋረጃ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ስቐሎ። 6ነቲ መሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን፥ መራኸቢ ድንኳን ኣንብሮ። 7ነቲ ሸሓነ ድማ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ። 8ነቲ ቕፅሪ ኸዓ ኣብ ዙርያ ኣቚሞ፤ ነቲ መጋረጃ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ስቐሎ።
9“መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ነቲ ድንኳንን ኵሉ ኣብኡ ዘሎን ቕባእ፤ ንእኡን ንዅሉ ኣቑሑኡን ቀድሶ፥ ቅዱስ ድማ ክኸውን እዩ። 10ነቲ መሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኵሉ ኣቑሑኡን ቕባእ፤ ነቲ መሰውኢ ቀድሶ፥ እቲ መሰውኢ ድማ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። 11ነቲ ሸሓነን ኣጋሮኡን ቕባእ፥ ቀድሶ ድማ።
12“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣምፂእኻ ብማይ ሓፅቦም። 13ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ኣልብሶ፤ ካህን ኮይኑ ምእንቲ ኸገልግለኒ ኸዓ ቕብኣዮን ቀድሶን። 14ንደቁ ድማ ኣቕርብ፤ ቐማውሽ ከዓ ኣልብሶም። 15ከምቲ ንኣቦኦም ዝቐባእካዮ ድማ ቕብኣዮም፥ ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ። ቅብኣቶም ከዓ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ክህነት ይህቦም።”
16ሙሴ ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። 17ብቐዳማይ ወርሒ ናይ ካልኣይ ዓመት፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተኸለ። 18ሙሴ ነቲ ድንኳን ኣቚሞ፥ መርገፂኡ ኣንበረ፥ ሉሓቱ ገበረ፥ ጋድማቱ ኣእተወ፥ ኣዕምዱ ድማ ኣቘመ። 19ነቲ ዓለባ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዘርግሖ፤ ነቲ መደረብታ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ገበሮ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 20ነቲ ምስክር ወሲዱ ኣብ ታቦት ኣንበሮ፤ ኣብ ታቦት ድማ መፃውር ገበረሉ፤ ነቲ መኽደን ከዓ ኣብ ልዕሊ ታቦት ገበሮ። 21ነቲ ታቦት ናብ ድንኳን ኣእተዎ፤ ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ ሰቐሎ፤ ነቲ ታቦት ኪዳን ከዓ ኸደኖ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 22ነቲ ጠረጴዛ ኣብ መራኸቢ ድንኳን፥ ብሰሜናዊ ወገን እቲ ድንኳን፥ ካብ መጋረጃ ወፃኢ ኣንበሮ፤ 23ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ ሕብስቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሰርዖ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 24ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ መንፅር እቲ ጠረጴዛ፥ ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ኣንበሮ፤ 25ነቲ ቐናዲል ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣዳለወ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 26ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ኣንበሮ፤ 27ኣብ ልዕሊኡ ድማ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኣዓጠነ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 28ነቲ መጋረጃ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ሰቐሎ። 29ነቲ መሰውኢ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን፥ መራኸቢ ድንኳን ኣንበሮ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ መስዋእቲ እኽልን ኣቕረበ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 30ነቲ ሸሓነ ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንበሮ፤ ንመሕፀቢ ዝኸውን ማይ ድማ ገበረሉ፤ 31ሙሴን ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ተሓፀቡ። 32ናብ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ወይ ናብ መሰውኢ ዝቐርቡ እንተለዉ፥ ይሕፀቡ ነበሩ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ። 33ነቲ ቕፅሪ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳንን መሰውእን ኣቚሞ፤ ነቲ መጋረጃ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ቕፅሪ ሰቐሎ። ከምዙይ ጌሩ ሙሴ ነቲ ስራሕ ፈፀሞ።
ክብሩ ነቲ ድንኳን መልኦ
34ሽዑ ደመና ነቲ መራኸቢ ድንኳን ጐልበቦ፤ ክብሪ ኣቦና ድማ ነቲ ድንኳን መልኦ። 35ሙሴ ኸዓ እቲ ደመና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፥ ናብ መራኸቢ ድንኳን ክኣቱ ኣይከኣለን፤ ክብሪ ኣቦና ድማ ነቲ ድንኳን መልኦ። 36እቲ ደመና ካብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ክለዓል እንተሎ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ይጐዓዙ ነበሩ፤ 37እቲ ደመና እንተ ዘይተልዒሉ ግና፥ ክሳዕ እታ ዝለዓለላ መዓልቲ ኣይጐዓዙን ነበሩ። 38ደመና ኣቦና ብመዓልቲ ነቲ ድንኳን ይሽፍኖ፥ ብለይቲ ኸዓ ሓዊ ኣብኡ ነበረ፤ እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ ጕዕዞኦም ንዅሉ ቤት እስራኤል ዝረአ ነበረ።