ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ካብ ድንኳን ይዛረብ

መፅሓፍ ቅድስናን መስዋእትን፦ ዝተቤዘወ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ኣቦና ከመይ ክነብር ከም ዝኽእል። ኣብ ትሕቲ ኵሉ ስርዓት ሓንቲ ተስፋ ትሰርር፦ ኣቦና ኣብ ልክዕ ማእኸል ህዝቡ ክነብር እዩ ዝደሊ።

ምዕራፍ 1።

ኣቦና ንሙሴ ፀዊዑ፥ ካብቲ መራኸቢ ድንኳን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ካባኻትኩም ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ከተቕርቡ እንተለኹም፥ መስዋእትኹም ካብ መጓሰ ኸፍቲ ወይ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ኣምፅኡ።

“መስዋእቱ ኻብ መጓሰ ኸፍቲ ዝቃፀል መስዋእቲ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል ምእንቲ ክኾነሉ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ስለኡ ምእንቲ ኽቕበለሉን ሓጢኣቱ ምእንቲ ኽስተስረየሉን ቅቡል ይኸውን። ነቲ ጥዑይ ዝራብዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፤ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደም ኣምፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ። ደሓር ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ፥ በብብልዕቱ ይቘራርፆ። ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ሓዊ የንብሩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸዓ ዕንፀይቲ ይስርዑ። ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ዝተቘራረፀ ስጋን ርእስን ስብሕን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ይስርዕዎ። ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ድማ ብማይ ይሓፅቦ፤ እቲ ኻህን ከዓ ንዅሉ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። a a v9 እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብምሉኡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ፈፂሙ ዝወሃብ ነበረ። እዙይ ነቲ ባዕሉ ስለና ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ኾይኑ ብምሉኡ ዝሃበ ኢየሱስ የመልክት (ኤፌሶን 5፥2)።

“መስዋእቱ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የምፅእ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ይሕረዶ፤ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ። ነቲ ስጋ በብብልዕቱ ቘራርፁ፥ ምስ ርእሱን ስብሑን ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ይስርዖም። ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ድማ ብማይ ይሓፅቦ፤ እቲ ኻህን ከዓ ንዅሉ የቕርቦ፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢውን የቃፅሎ። እዙይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

“ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ ዝቃፀል መስዋእቲ ዒፍ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ ባሪቶ ወይ ኣናእሽቱ ርግቢ መስዋእቱ ገይሩ የምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ የምፅኣ፤ ርእሳ ፀምዚዙ ኣብኡ የቃፅላ፤ ደማ ከዓ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ ይንጠብ። ነቲ ፊሒሮ ምስ ረሳሕ ዘለዎ ድማ የልዕል፤ ንምብራቕ ኣቢሉ ኸዓ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ኣብ ቦታ ሓሙዅሽቲ ይድርብዮ። ብኽልተ ኣኽናፉ ሒዙ ይቕደዶ፤ ፈፂሙ ግና ኣይፈላልዮ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ የቃፅሎ። እዙይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።”