ናይ ብሓቂ ፆም፥ ናይ ብሓቂ ሓቅነት
ሰብ ቤቴል ክፆሙ ኣለዎም እንተ ኾይኑ ክሓትቱ ሰባት ይሰዱ። እቲ ሕቶ ይግልበጥ፦ እቲ ሰብዓ ዓመት ፆም ንባዕሎም እምበር ንኣቦና ኣይነበረን። ንሱ ብቐዳሞት ነብያት ዝሓተቶ ናይ ሓቂ ፍትሒ፥ ሕያዋይነት፥ ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ዘይምግፋዕ እዩ።
7 1ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ታሽዐይቲ ወርሒ፥ ማለት ኪስሌው፥ ቃል ኣቦና ናብ ዘካርያስ መፅአ። 2ሰብ ቤቴል ድማ ንሳሬፀርን ንሬገምሜሌክን ንሰባቶምን፥ ሞገስ ኣቦና ክልምኑ ለኣኹ፥ 3ነቶም ካህናት ቤት ኣቦ ሰራዊት ሰማይን ነቶም ነቢያትን ድማ፦ “ከምቲ ኣብዝ ብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ፥ ብሓምሻይ ወርሒ ክበኪን ክፆምንዶ?” ኢሎም ክሓትቱ ለኣኹ።
4ሽዑ ቃል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ናባይ መፅአ፦
5ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ነቶም ካህናትን በሎም፦ በዝ ሰብዓ ዓመት ብሓምሻይን ብሻብዓይን ወርሒ ክትፆሙን ክትሓዝኑን እንተለኹም፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢልኩም ፆምኩም? a a v5 እቲ ናይ ሓምሻይ ወርሒ ፆም፥ ባቢሎን ንቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዘንደደትሉ ዝዝክር ነበረ፤ እቲ ናይ ሻብዓይ ወርሒ ፆም ከዓ፥ ናይ ጎዶልያስ፥ እቲ ናይ ይሁዳ ዳሕራዋይ ሹም፥ ምቕታል ዝዝክር ነበረ። 6ክትበልዑን ክትሰትዩን እንተለኹም፥ ንነፍስኹምዶ ኢልኩም ኣይኮንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን?
7እዚኣቶምዶ እቶም ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ተቐሚጠን ኣብ ሰላም ኣብ ዝነበረሉ፥ ደቡብን ቈላታትን ከዓ ሰብ ዝነበረለን ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣቦና ብቐዳሞት ነቢያት ዘወጆም ቃላት ኣይኮኑን?
8ቃል ኣቦና ድማ ናብ ዘካርያስ መፅአ፦
9ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል፦ ናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፤ ነንሕድሕድኩም ድማ ሕያዋይነትን ርህራሀን ኣርእዩ። 10ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ነንሕድሕድኩም ድማ ኣብ ልብኹም ክፉእ ኣይትሕሰቡ።
11ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፤ ተረርቲ ኾይኖም ድማ ዝባኖም መለሱ፤ ከይሰምዑ ኸዓ ኣእዛኖም ዓፀዉ። 12ልቦም ከም ፅንፅልሒት ኣትረሩ፤ ነቲ ሕጊ፥ ነቲ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ብመንፈሱ ብቐዳሞት ነቢያት ዝለኣኾ ቃላት ከዓ ምስማዕ ኣበዩ። ስለዙይ ካብ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ዓብዪ ቍጥዓ መፅአ።
13“ከምቲ ኣነ ዝፀዋዕኹ ንሳቶም ግና ዘይሰምዑ፥ ከምኡ ኸዓ ንሳቶም ምስ ፀውዑ ኣነ ኣይሰማዕኹን” ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። 14ናብቶም ዘይፈለጥዎም ኵሎም ህዝብታት ብንፋስ ኣውሎ ፋሕ ኣበልክዎም። እታ ምድሪ ድማ፥ ዝመፅእ ወይ ዝኸይድ ሓላፊ ሓደ እኳ ዘይብላ፥ ብድሕሪኦም ባደመት። በዝ ኸምዙይ ነታ ባህ እተብል ምድሪ ዑና ገበርዋ።