እተን ኣርባዕተ ሰረገላታት ይወፃ
ኣርባዕተ ሰረገላታት ንጐይታ ኵላ ምድሪ ኣብ ምድሪ ክዛወሩ ይወፁ። ደሓር ካብ ወርቂ እቶም ምሩኻት ኣኽሊል ተሰሪሑ ኣብ ርእሲ ኢያሱ ይንበር፥ ነቲ ጨንፈር ዝሕብር፥ ንሱ ንቤተ መቕደስ ኣቦና ክሰርሕ፥ ዙፋንን ክህነትን ድማ ብሰላም ስኒት ዝሕዝ።
6 1መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ እንተ ረአኹ፥ ኣብ መንጎ ክልተ እምባታት ዝነበራ ኣርባዕተ ሰረገላታት ይወፁ ነበራ፤ እቶም እምባታት ድማ ናይ ነሃስ ነበሩ። 2እታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ቀያሕ ኣፍራስ ነበርዋ፥ እታ ኻልአይቲ ሰረገላ ድማ ፀለምቲ ኣፍራስ፥ 3እታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ፃዕዳ ኣፍራስ፥ እታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ዝበረቑ ኣፍራስ ነበርዋ፤ ኵሎም ከዓ ብርቱዓት ነበሩ። 4ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ድማ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” ኢለ ሓተትክዎ።
5እቲ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኵላ ምድሪ ደው ኢሎም ካብ ምቕማጥ ዝወፁ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም። 6እታ ፀለምቲ ኣፍራስ ዘለዋ ሰረገላ ናብ ሰሜናይ ምድሪ ትኸይድ፥ እቶም ፃዕዳ ድማ ደድሕሪኦም፥ እቶም ዝበረቑ ከዓ ናብ ደቡባዊ ምድሪ ይኸዱ። 7እቶም ብርቱዓት ኣፍራስ ድማ ወፂኦም ኣብ ምድሪ ኽዛወሩ ይህንጠዩ ነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ‘ኪዱ፥ ኣብ ምድሪ ተዛወሩ!’ በሎም። ንሳቶም ድማ ኣብ ምድሪ ተዛወሩ።”
8ሽዑ ፀዊዑኒ “እንሆ፥ እቶም ናብ ሰሜናይ ምድሪ ዝኸዱ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ሰሜናይ ምድሪ ኣዕረፍዎ” በለኒ። a a v8 “ንመንፈሰይ ኣዕረፍዎ” ማለት፥ እቲ እግዚኣብሄር ኣንፃር ሰሜን ዝነበሮ ናይ ፍርዲ ዕላማ፥ እቲ ጨቈንቲ እስራኤል ዝመፅሉ ኣንፈት፥ ሕዚ ተፈፂሙ ኣሎ ማለት እዩ።
እቲ ጨንፈር ንቤተ መቕደሱ ክሰርሕ እዩ
9ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦
10“ካብቶም ካብ ባቢሎን ዝመፁ ምሩኻት፥ ካብ ሔልዳይን ካብ ጦብያን ካብ ዮዳሄን ምፅዋት ውሰድ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ቤት ኢዮስያስ ወዲ ሶፎንያስ ኪድ። 11ብሩርን ወርቅን ወሲድካ ድማ ኣኽሊል ስራሕ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ካህናት ኢያሱ ወዲ ዮሃስዳቅ ከዓ ግበሮ።’ 12ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ፤ ንሱ ካብ ቦታኡ ክጭብጭብ እዩ፤ ንቤተ መቕደስ ኣቦና ድማ ክሰርሕ እዩ። 13ንሱ ንቤተ መቕደስ ኣቦና ክሰርሕ እዩ፤ ግርማ ድማ ክፆሮ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ኾይኑ ኸዓ ተቐሚጡ ክገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኾይኑ ካህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ስልጣናት ድማ ናይ ሰላም ስኒት ክህሉ እዩ። b b v13 ኣብዙይ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዙፋን ንጉስን ካህንን ብሓንሳእ እዩ፤ እዙይ ከዓ ኣብ እስራኤል ንዝኾነ ገዛኢ ፈፂሙ ዘይተፈቐደ ነገር እዩ። ነቲ ንጉስነትን ክህነትን ባዕሉ በይኑ ዘራኽብ፥ ኣብኡ ድማ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዘሎ ሰላም ፍፁም ዝተሓለወ፥ ናብ ኢየሱስ ይጥቁም እዩ። 14እቲ ኣኽሊል ድማ ንሔልዳይን ንጦብያን ንዮዳዕን ንሔን ወዲ ሶፎንያስን ንመዘከርታ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቦና ክፀንዕ እዩ። 15እቶም ርሑቓት ድማ ክመፁ፥ ንቤተ መቕደስ ኣቦና ኸዓ ክሰርሑ እዮም፤ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። እዙይ ከዓ ንቓሉ ተጠንቂቕኩም እንተ ሰሚዕኹም ክኸውን እዩ።’”