ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ነቲ ብእምነት ዝደኸመ ተቐበልዎ

ሓደ ኣማኒ ኵሉ ይበልዕ፥ ካልእ ድማ ኣሕምልቲ ጥራሕ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነቲ ኻልእ ብህድኣት ይንዕቖ። ጳውሎስ ነቲ ብልዒ ክውስኖ ኣበየ። ነፍሲ ወከፍ ንገዛእ ጐይታኡ ይምልስ፥ ኣቦና ኸዓ ንኽልቲኦም ተቐቢልዎም እዩ፥ ስለዙይ እቲ ናይ ሓቂ ሓጢኣት ሓውካ ኣብ ዝኸደሉ መዐንቀፊ ምንባር እዩ።

ምዕራፍ 14።

ነቲ ብእምነት ዝደኸመ ሕዚ ተቐበልዎ፤ ብዛዕባ ሓሳቡ ግና ኣይትበኣስዎ። ሓደ ሰብ ኵሉ ኽበልዕ እምነት ኣለዎ፤ እቲ ዝደኸመ ግና ኣሕምልቲ ጥራሕ ይበልዕ። እቲ ዝበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቖ፤ እቲ ዘይበልዕ ድማ ነቲ ዝበልዕ ኣይፍረዶ፤ ኣቦና ተቐቢልዎ እዩ እሞ። ንስኻ ነቲ ናይ ካልእ ሰብ ኣገልጋሊ እትፈርድ መን ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው ይብል ወይ ይወድቕ፤ ደው ክብል ድማ እዩ፤ ጐይታ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ እሞ።

ሓደ ንሓንቲ መዓልቲ ኻብ ካልእ ኣብሊፁ ይፈርድ፤ ካልእ ድማ ንዅላ መዓልቲ ማዕረ ይፈርድ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሓሳቡ ብምሉእ ይረጋገፅ። እቲ ነታ መዓልቲ ዘኽብር ንጐይታ ኢሉ የኽብራ። እቲ ዝበልዕ ንኣቦና የመስግን እዩ እሞ፥ ንጐይታ ኢሉ ይበልዕ፤ እቲ ዘይበልዕ ድማ ንጐይታ ኢሉ ኣይበልዕን፥ ንኣቦና ኸዓ የመስግን። ካባና ሓደ እኳ ንርእሱ ዝነብር የለን፤ ካባና ሓደ እኳ ንርእሱ ዝመውት የለን። እንተ ነበርና፥ ንጐይታ ኢና እንነብር፤ እንተ ሞትና ድማ ንጐይታ ኢና እንመውት። ነበርና ሞትና፥ ናይ ጐይታ ኢና። ክርስቶስ ናይ ምውታንን ናይ ህያዋንን ጐይታ ክኸውን፥ ምእንቲ እዙይ ሞተ፥ ከም ብሓድሽ ከዓ ህያው ኮነ።

ንስኻ ግና ስለ ምንታይ ንሓውካ ትፈርዶ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ንሓውካ ትንዕቖ? ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣቦና ደው ክንብል ኢና እሞ።

ከምዙይ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፦ “ኣነ ህያው ኮይነ ከም ዘለኹ፥ ኵሉ ብርኪ ንኣይ ክሰግድ፥ ኵሉ ልሳን ድማ ንኣይ ክእመን እዩ፥ ይብል ኣቦና።”

እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣቦና ፀብፃብ ክህብ እዩ።

እምበኣር ንሓድሕድኩም ምፍራድ ኣቋርፁ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ቅድሚ ሓውኩም መዐንቀፊ ወይ መፈንጠር ከይተንብሩ ወስኑ። ብጐይታ ኢየሱስ ተረዲአ፥ ሓደ ነገር እኳ ብባዕሉ ርኹስ ከም ዘይኮነ እፈልጥ ኣለኹ፤ ነቲ ርኹስ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ግና፥ ንእኡ ርኹስ እዩ። ብሰንኪ ብልዒ ሓውካ እንተ ተጐድአ፥ ደጊም ብፍቕሪ ኣይትኸይድን ኣለኻ። በቲ ብልዒኻ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሰብ ኣይተጥፍኣዮ። እምበኣር እቲ ንስኻትኩም ፅቡቕ ኢልኩም እትርእይዎ፥ ክፉእ ኮይኑ ከይዝረበሉ። መንግስቲ ኣቦና ፅድቅን ሰላምን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሓጐስን ደኣ እምበር፥ ምብላዕን ምስታይን ኣይኮነን። a a v17 ጳውሎስ ነታ መንግስቲ ከምዙይ ይገልፃ፦ ብዛዕባ ምብላዕን ምስታይን ዝኾነ ሕጊ ዘይኮነት፥ ፅድቅን ዓሚቕ ሰላምን መንፈሱ ዘፍርዮ ሓጐስን ደኣ እያ። እቲ ከምዙይ ጌሩ ንክርስቶስ ዘገልግል፥ ንኣቦና ባህ የብሎ፥ ኣብ ሰብ ድማ ቅቡል እዩ። እምበኣር ንሰላም ዘምፅእን ንሓድሕድና ዝሃንፀናን ነገር ንስዓብ። ምእንቲ ብልዒ ኢልካ ናይ ኣቦና ስራሕ ኣይተጥፍእ። ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ግና እቲ ንሰብ ዘዕንቅፍ ብልዒ ክፉእ እዩ። ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ፥ ወይ ንሓውካ ዘዕንቅፍ ነገር ዘይምግባር ፅቡቕ እዩ።

እታ ዘላትካ እምነት ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንርእስኻ ሓዛ። እቲ በቲ ዝቕበሎ ነገር ንርእሱ ዘይፈርድ ሰብ ብፁእ እዩ። እቲ ዝተጠራጠረ ግና እንተ በልዐ፥ ካብ እምነት ስለ ዘይኮነ፥ ተፈሪድዎ እዩ፤ ካብ እምነት ዘይኮነ ኵሉ ነገር ድማ ሓጢኣት እዩ።