ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ስርዓት ኣቦና ብዛዕባ ዝገዝእ ስልጣን

እቲ ዝገዝእ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ኣቦና ተቐሚጡ እዩ፥ ስለዙይ ቐረፅን ኣኽብሮን ብዘይ ምረት ይኽፈል። ድሕሪኡ ተሪፉ ዘሎ ዕዳ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ፥ ንሳ ኸዓ ንብፃይ ክፉእ ኣይገብርን እሞ ንትእዛዛት ትፍፅም። እቲ ጊዜ መስዩ እዩ፤ ንቐትሪ ተኸደኑ።

ምዕራፍ 13።

ነፍሲ ወከፍ ነቲ ዝገዝእ ስልጣን ክግዛእ ኣለዎ፤ ብዘይ ካብ ኣቦና ስልጣን የለን እሞ፥ እቶም ዘለዉ ኸዓ ብኣቦና ዝተመደቡ እዮም። ስለዙይ ነቲ ስልጣን ዝፃረር፥ ነቲ ኣቦና ዝሰርሖ እዩ ዝፃረር፤ እቲ ዝፃረር ድማ ኣብ ርእሱ ፍርዲ የውርድ። ገዛእቲ ነቲ ፅቡቕ ዝገብር ኣየፍርሑን፥ ነቲ ክፉእ ዝገብር ደኣ የፍርሑ። ነቲ ስልጣን ከይትፈርሕዶ ትደሊ? ፅቡቕ ግበር እሞ ካብኡ ውዳሴ ክትረክብ ኢኻ። ንሱ ፅቡቕ ንኽኾነልካ ኣገልጋሊ ኣቦና እዩ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ነቲ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዓጥቕን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ ኣቦና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ክፉእ ዝገብር ቍጥዓ ዘውርድ ፈዳዪ እዩ። ስለዙይ ካብ መቕፃዕቲ ንምህዳም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ሕሊናኹም ድማ ክትግዝኡ ኣለኩም። በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ ቐረፅ ትኸፍሉ ኢኹም፤ እቶም ስልጣናት ነዝ ነገር እዙይ ዝተወፈዩ ኣገልገልቲ ኣቦና እዮም እሞ። ንዅሉ እቲ ዝግብኦ ክፈሉ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ቐረፅ ንዝግብኦ ቐረፅ፥ ኣኽብሮ ንዝግብኦ ኣኽብሮ፥ ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ።

ፍቕሪ ንሕጊ ይፍፅሞ

ንሓደ እኳ፥ ንሓድሕድኩም ከም እትፋቐሩ እንተ ዘይኮይኑ፥ ገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር ንሕጊ ፈፂሙ እዩ እሞ።

እቲ ትእዛዛት፥ “ኣይትዘሙ፥ ኣይትቕተል፥ ኣይትስረቕ፥ ኣይትመነ፥” ካልእ ትእዛዝ እንተሃለወ ድማ፥ ኣብ ሓደ ቃል ተጠቓሊሉ ኣሎ፦ “ንብፃይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር።”

ፍቕሪ ንብፃዩ ክፉእ ኣይገብርን፤ ስለዙይ ፍቕሪ ፍፃሜ ሕጊ እያ።

ነዝ ግበሩ፥ ነቲ ጊዜ ድማ ፍለጡ፤ ካብ ድቃስኩም እትበራበሩሉ ሰዓት ሕዚ በፂሑ እዩ፤ ምድሓን ሕዚ ካብቲ ብመጀመርታ ዝኣመንናሉ እዋን ኣዝዩ ቀሪቡ ኣሎ እሞ። ለይቲ ክሓልፍ ቀሪቡ እዩ፥ መዓልቲ ተቓሪባ እያ። ስለዙይ ግብሪ ፀልማት ኣውፂእና፥ ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ። ከምቲ ብቐትሪ ዝግበር፥ ብኣገባብ ንንበር፤ ብጓይላን ስኽራንን ዘይኮነ፥ ብዝሙትን ነውርን ዘይኮነ፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነ። ኣብ ክንድኡ ደኣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልበስዎ እምበር፥ ንትምኒት ስጋ ንምፅጋብ ኣይትሕሰቡ።