ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ

እቶም ብርቱዓት ንገዛእ ርእሶም ካብ ምሕጓስ ነቶም ድኹማት ይፆሩ፥ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣቦና ነቶም ኣህዛብ ምቕባሉ ኸዓ መረጋገፂ እዩ። ሽዑ ጳውሎስ ናብ ብሕታዊ ነገር ይግልበጥ፦ ክርስቶስ ዘይተፀውዓሉ ቦታ ናይ ምስባኽ ባህጉ፥ ንድኻታት ኢየሩሳሌም ዝኸውን ናይ ረድኤት ምእካብ፥ ብሮሜ ሓሊፉ ናብ ስጳኛ ናይ ምኻድ ተስፋኡ።

ምዕራፍ 15።

ንሕና እቶም ብርቱዓት፥ ድኻም እቶም ድኹማት ክንፆር ይግባእ እምበር፥ ንገዛእ ርእስና ኣየሕጕስ። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብፃዩ ንምህናፁ፥ ንፅቡቕ ኢሉ የሕጕሶ። ክርስቶስ እኳ ንገዛእ ርእሱ ኣየሕጎሰን፤ ከምቲ ተፃሒፉ ዘሎ፥ “ፀርፊ እቶም ዝፅረፉኻ ኣብ ልዕለይ ወደቐ።” ኵሉ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ብትዕግስትን ብምፅንናዕ መፃሕፍትን ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ምእንቲ ኽምህረና ተፃሒፉ እዩ። እቲ ትዕግስትን ምፅንናዕን ዝህብ ኣቦና ኸዓ፥ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓድሕድኩም ሓደ ሓሳብ ክህበኩም፥ ብሓባር ብሓደ ድምፂ፥ ነቦና፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኸተኽብርዎ።

ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ ድማ ንኽብሪ ኣቦና ዝተቐበለኩም፥ ንሓድሕድኩም ተቐበሉ። ክርስቶስ ነቲ ንኣቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኼፅንዕን፥ ሓቂ ኣቦና ምእንቲ ኼርእይን፥ ናይ ግዝረት ኣገልጋሊ ኸም ዝኾነ እብለኩም ኣለኹ እሞ፤ እቶም ኣህዛብ ድማ ምእንቲ ምሕረቱ ነቦና ምእንቲ ኼኽብሩ እዩ፥ ከምቲ ተፃሒፉ ዘሎ፥ “ስለዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ አመስግነካ፤ ንስምካውን እዝምር።”

ከም ብሓድሽ ድማ፥ “ኣቱም ኣህዛብ፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” ይብል።

ከም ብሓድሽ ድማ፥ “ኣቱም ኣህዛብ ኵላትኩም፥ ነቦና ኣመስግኑ፤ ኵሎም ህዝብታት ድማ የመስግንዎ” ይብል። a a v11 እዝ መስመር እዙይ፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ ነቲ FHB ኣብ ኵሉ ኣቦና ኢሉ ዝሰምዮ ምእንቲ ኼመስግኖ ዝፅውዕ መዝሙር ይጠቅስ።

ኢሳይያስ ከዓ ከም ብሓድሽ፥ “ሱር እሴይ ክመፅእ፥ ነህዛብ ክገዝእ ክትስእ እዩ፤ ኣህዛብ ድማ ብእኡ ተስፋ ክገብሩ እዮም” ይብል።

እቲ ፈልፋሊ ተስፋ ዝኾነ ኣቦና ኸዓ፥ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋ ምእንቲ ኽበዝሓልኩም፥ ብእምነት ብዅሉ ታሕጓስን ሰላምን ይምልኣኩም። b b v13 ታሕጓስን ሰላምን ካብ ዘድክም ጻዕሪ ኣይመፁን። ብምእማን እዮም ዝመፁ፦ በቲ ኣቦና ዘተስፈዎ ብምዕራፍ።

ፀጋ ኣቦና ኣብ ልዑኽነት ጳውሎስ

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም ፅቡቕነት ዝመላእኹም፥ ብዅሉ ፍልጠት ዝተመላእኹም፥ ንሓድሕድኩምውን ክትምዕዱ እትኽእሉ ምዃንኩም ርግፀኛ እየ። ግና በቲ ኣቦና ዝሃበኒ ፀጋ፥ ከዘክረኩም ኢለ፥ ብገሊኡ ነገር ብተብዓት ፃሒፈልኩም ኣለኹ፤ እዙይ ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ እቶም ኣህዛብ ቕቡል ምእንቲ ኽኸውን፥ ናይ ኣቦና ወንጌል ኣገልጋሊ ኾይነ፥ ናብ ኣህዛብ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን እዩ። ስለዙይ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ በቲ ንኣቦና ዝገበርክዎ ግብሪ ዝምካሓሉ ኣለኒ። ክርስቶስ ነቶም ኣህዛብ ናብ ምእዛዝ ንምምፃእ፥ ብቓልን ብግብርን፥ ብኣይ ገይሩ ኻብ ዝሰርሖ ወፃኢ፥ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ክዛረብ ኣይደፍርን እየ እሞ። ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፥ ብሓይሊ መንፈስ ኣቦና፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣትሒዙ ኽሳዕ ኢሉሪቆን ብዙርያ ዘሎ ኵሉ፥ ወንጌል ክርስቶስ ፈፂመ ኣወጅክዎ እየ። ስለዙይ ኣብ ልዕሊ መሰረት ካልእ ሰብ ከይሃንፅ፥ ክርስቶስ ዘይተሰምየሉ ቦታ ወንጌል ክሰብኽ ጀሃድኩ፤ ከምቲ ተፃሒፉ ዘሎ ግና፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነግሮም ክርእዩ እዮም፤ እቶም ዘይሰምዑ ድማ ክፈልጡ እዮም።”

በዝ ምኽንያት እዙይ ናባኻትኩም ካብ ምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ተኸልከልኩ።

መደብ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ንምብፃሕ

ሕዚ ግና ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝሰርሐሉ ቦታ ስለ ዘይብለይ፥ ብዙሕ ዓመታት ድማ ናባኻትኩም ክመፅእ ናፊቐ ስለ ዝነበርኩ፥ ናብ እስጳንያ ኽኸይድ እንተለኹ፥ ሓሊፈ ኽሪአኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ቕሩብ ምሳኻትኩም ተሓጒሰ ምስ ፀናሕኩ ድማ፥ ንስኻትኩም ናብኡ ኸተፋንዉኒ እናፍቕ ኣለኹ። ሕዚ ግና ንህዝቢ ኣቦና ረድኤት ሒዘ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እየ። መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ድኻታት ህዝቢ ኣቦና፥ ብፍቓዶም ገንዘብ ኣዋፅኡ። ብፍቓዶም ገበርዎ፤ ብሓቂ ኸዓ ዕዳ ኣለዎም። እቶም ኣህዛብ ኣብ መንፈሳዊ በረከት እስራኤል ስለ ዝተማቐሉ፥ እቶም ኣህዛብ ድማ ንህዝቢ ኢየሩሳሌም ብስጋዊ ነገር ኽሕግዝዎም ዕዳ ኣለዎም። ስለዙይ እዙይ ፈፂመ፥ ነዝ ዝተአከበ ገንዘብ እዙይ ብደሓን ምስ ኣረከብክዎም፥ በኣኻትኩም ኣቢለ ናብ እስጳንያ ክኸይድ እየ። ናባኻትኩም እንትመፅእ ከዓ፥ ብምሉእ በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመፅእ እፈልጥ ኣለኹ።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን፥ ኣብ ፀሎትኩም ናብ ኣቦና ምእንታይ ምሳይ ክትጋደሉ እላበወኩም ኣለኹ፤ እዙይ ከዓ ኻብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕን፥ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝገብሮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ ንህዝቢ ኣቦና ምእንቲ ኼሕጕሶም እዩ፤ ስለዙይ ብፍቓድ ኣቦና፥ ብታሕጓስ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ምሳኻትኩም ድማ ተሓቢረ ኽዐርፍ እየ። እቲ ፈልፋሊ ሰላም ዝኾነ ኣቦና ኸዓ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።