ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ኣብ ጌልገላ ንህዝቡ የሐድስ

ቅድሚ ዝኾነ ውግእ፥ ዕረፍቲ። ሓድሽ ወለዶ ተገሪዙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኣብ ሰፈር ተገድፈ፥ ፋሲካ ተባዕለ፥ መና ድማ በታ ኻብ እቶት እታ ምድሪ ዝበልዑላ መዓልቲ ተቛረፀ። ሽዑ ዝተመዘዘ ሰይፊ ዝሓዘ ሰብኣይ ንኢያሱ ሓለቓ ሰራዊት ኣቦና ምዃኑ ነገሮ።

ምዕራፍ 5።

ኵሎም እቶም ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገስታት ኣሞራውያንን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ኣቦና ንማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሩ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም መኸኸ፤ ስለ እስራኤል ድማ መንፈስ ኣይተረፎምን።

በቲ ጊዜ እቲ ኣቦና ንኢያሱ ከምዙይ በሎ፦ “ፅንፅልሒት ኣእማን ግበር እሞ፥ ንደቂ እስራኤል መሊስካ ኻልኣይ ጊዜ ግረዞም።”

ኢያሱ ድማ ፅንፅልሒት ኣእማን ገይሩ፥ ንደቂ እስራኤል ኣብ ጊብዓትሃኣራሎት፥ ኣብ ኰረብታ ቝልፈት ገረዞም። ኢያሱ ዝገረዞም ከዓ በዝ ምኽንያት እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ኵሎም ህዝቢ፥ እቶም ተባዕትዮ፥ ኵሎም ሰብ ውግእ፥ ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ነበሩ። እቶም ዝወፁ ኵሎም ተገሪዞም ነበሩ፤ እቶም ካብ ግብፂ ኣብ መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ ዝተወለዱ ግና ኣይተገረዙን። ህዝቢ እስራኤል ንቓል ኣቦና ስለ ዘይሰምዑ፥ እቲ ኵሉ ህዝቢ፥ ማለት እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰብ ውግእ፥ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ተመላለሱ። ኣቦና ኸዓ ነታ ነቦታቶም ክህበና ዝመሓለሉ፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ከም ዘይርእይዋ መሓለሎም። ንደቆም ኣብ ክንዳኦም ኣተሲኡ፤ ኢያሱ ድማ ገረዞም፤ ዘይግሩዛት ነበሩ እሞ፥ ኣብ መንገዲ ኣይተገረዙን ነበሩ። ግርዘት እቲ ኵሉ ህዝቢ ምስ ተፈፀመ፥ ክሳዕ ዝሓውዩ ኣብቲ ሰፈር ፀንሑ።

ሽዑ ኣቦና ንኢያሱ ከምዙይ በሎ፦ “ሎሚ ንውርደት ግብፂ ካባኻትኩም ኣንከባሊለዮ ኣለኹ።” ስለዙይ እታ ቦታ እቲኣ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ጌልገላ ትብሃል ኣላ።

ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ እታ ወርሒ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ኣብዓሉ። ንፅባሕ ፋሲካ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ ፍረ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ዝተጠብሰ እኽልን በልዑ። እቲ መና ድማ፥ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፥ ንፅባሒቱ ተቛረፀ። ደጊምውን ንደቂ እስራኤል መና ኣይነበሮምን፤ በታ ዓመት እቲኣ ኸዓ ካብ እቶት ምድሪ ከነዓን በልዑ።

ሓለቓ ሰራዊት ኣቦ

ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ፥ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ ሓደ ሰብኣይ፥ ዝተመዘዘ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ረአዮ። ናብኡ ቀሪቡ ድማ “ንስኻ ምሳና ዲኻ ወይ ምስ ፀላእትና?” ኢሉ ሓተቶ።

ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፤ ኣነ ሕዚ ከም ሓለቓ ሰራዊት ኣቦና ኾይነ መፂአ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። ኢያሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ፤ “ጐይታይ ንባርያኡ እንታይ ይብሎ ኣሎ?” ድማ በለ።

ሓለቓ ሰራዊት ኣቦና ድማ ንኢያሱ “ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውፅእ፤ እታ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ” በሎ። ኢያሱ ድማ ከምኡ ገበረ።