ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንኣቦ ንምዝካር ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን

ብቓል ኣቦና ዓሰርተ ኽልተ ሰብኡት ካብ ማእኸል እቲ ፈለግ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣልዒሎም ኣብ ጌልገላ መዘከርታ ኣቘሙ። እቲ ዝተውሃበ ምኽንያት ብምሉኡ ብዛዕባ መፃኢ እዩ፦ ሓደ መዓልቲ ደቆም “እዞም ኣእማን እንታይ ማለት እዮም?” ኢሎም ክሓትቱ እዮም፥ ወለዶም ድማ ዘመልክትዎ ነገር ክህልዎም እዩ።

ምዕራፍ 4።

ኵሉ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ ወድአ፥ ኣቦና ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦

“ካብ ህዝቢ ዓሰርተ ኽልተ ሰብኡት፥ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፥ ውሰዱ። ከምዙይ ኢልኩም ኣዝዝዎም፦ ‘ካብዙይ፥ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብቲ ኣእጋር እቶም ካህናት ቐጥ ኢሎም ዝቘሙሉ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ውሰዱ፤ ምሳኻትኩም ኣሳጊርኩም ድማ ኣብቲ ሎሚ ለይቲ እትሓድሩሉ ሰፈር ኣቐምጥዎም’።”

ኢያሱ ድማ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል ዝተመረፁ ዓሰርተ ኽልተ ሰብኡት፥ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ፥ ፀውዖም። ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣቦኻትኩም ናብ ማእኸል ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ነፍሲ ወከፍኩም ሓደ እምኒ ኣልዒሉ ኣብ ማእገሩ ይፃሮ፤ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ምልክት ምእንቲ ክኸውን እዩ፤ ደቅኹም ድሕሪ ጊዜ ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ ማለት እዮም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎም፦ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣቦና ተቘሪፁ ነበረ። ንሱ ንዮርዳኖስ ምስ ተሳገረ፥ ማይ ዮርዳኖስ ተቘሪፁ ነበረ። እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ ክኾኑ እዮም።”

ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ ኢያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ከምቲ ኣቦና ንኢያሱ ዝበሎ፥ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ከም ቍፅሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣልዒሎም፥ ናብ ሰፈሮም ኣሳጊሮም ኣብኡ ኣቐመጥዎም። ኢያሱ ድማ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ካህናት ዝቘሙሉ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ኣቘመ፤ ንሳቶም ከዓ ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ኣለዉ። እቶም ታቦት ዝፆሩ ካህናት፥ ኵሉ እቲ ኣቦና ንኢያሱ ንህዝቢ ክነግር ዝኣዘዞ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ደው ኢሎም ነበሩ፤ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ድማ ኮነ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ቀልጢፉ ተሳገረ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ተሳጊሩ ምስ ወድአ፥ ታቦት ኣቦናን እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገሩ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ዓጢቖም ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ንውግእ ዝተዓጠቑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንውግእ ናብ ጐላጕል ኢያሪኮ ተሳገሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቦና ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ደቂ እስራኤል ኣዕበዮ፤ ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎ ድማ፥ ብምሉእ ዕድሚኡ ፈርሕዎ።

ኣቦና ድማ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦

“ነቶም ታቦት ምስክር ዝፆሩ ካህናት ካብ ዮርዳኖስ ክድይቡ ኣዝዞም።”

ኢያሱ ድማ ነቶም ካህናት “ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ” ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፆሩ ካህናት ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ ምስ ደየቡ፥ ኣእጋሮም ድማ ናብ ንቑፅ ምድሪ ምስ ረገፁ፥ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ቦታኡ ተመለሰ፤ ከምቀደሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገምገም ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ፈሰሰ።

እቲ ህዝቢ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብ ዮርዳኖስ ደየበ፤ ኣብ ጌልገላ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ ኣብ ዘሎ ወሰን ድማ ሰፈረ። ነዞም ካብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎም ዓሰርተ ኽልተ ኣእማን ድማ፥ ኢያሱ ኣብ ጌልገላ ኣቘሞም። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ኣብ መፃኢ መዓልቲታት ደቅኹም ነቦታቶም ‘እዞም ኣእማን እዚኣቶም እንታይ ማለት እዮም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንደቅኹም ‘እስራኤል ነዝ ዮርዳኖስ እዙይ ብንቑፅ ምድሪ ተሳገረ’ ኢልኩም ንገርዎም። ኣቦኻትኩም ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እትሳገሩ ኣብ ቅድሜኹም ኣንፀፎ እዩ እሞ፤ ከምቲ ኣቦኻትኩም ንባሕሪ ኤርትራ ክሳዕ እንሳገር ኣብ ቅድሜና ዘንፀፎ፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ ኣቦና ሓያል ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጡ፥ ንስኻትኩም ድማ ንኣቦኻትኩም ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ።”